Pastor Teweldemedhin Ghebremedhin

 



[Print version]
 

 

Remembering Eritrean heroes in contemporary history

 

 

A Short Biography

Of

Rev. Teweldemedhin Ghebremedhin

 

 

 

 

The first Eritrean Evangelist pastor ordained

 In

 Eritrea

Latin text obtained from Wikipedia

Geez text supplied by Temesgen Berhane

Tewolde-Medhin Gebre-Medhin

From Wikipedia, the free encyclopedia

Jump to: navigation, search

This date-April 2011 includes a list of references, related reading or external links, but the sources of this date-April 2011 remain unclear because it lacks inline citations. Please improve this article by introducing more precise citations. (April 2011)

Täwäldä-Mädhin Gäbrä-Mädhin (1860–1930) was a pastor, educator and translator, originally from the town of S'eä’azäga, Eritrea in the Horn of Africa. He was ordained as a deacon in the Ethiopian Orthodox Church in 1872. (By local custom, he is properly referred to as "Täwäldä-Mädhin".) From four generations of priests, Täwäldä-Mädhin's father and uncle were Orthodox priests, but both they and young Täwäldä-Mädhin were greatly changed after contact with a Swedish missionary. In adulthood, Täwäldä-Mädhin maintained that he wanted to work for reform within the Ethiopian Orthodox Church (Arén 1978:182, 340n), though he had been persecuted for being Evangelical.

Beginning in 1874, Täwäldä-Mädhin was educated at Gäläb at a school run by the Swedish Evangelical Mission. There, he and Dawit Amanuel (1862–1944) worked together to translate the New Testament into the Tigre language. Before it was completed, he was sent to Sweden for further study in 1883-1887, where he studied the Bible and Biblical languages, subjects that were later vital for his work in translation. He prepared a Tigre spelling book and a reading book that were published in 1889; that same year the Swedish Mission Press published the first installment of Tewolde-Medhin's translation, the Gospel of Mark (Ullendorff, 1968: 71). He was ordained in Asmara by A. Kolmodin, the first evangelical Eritrean to be ordained on the continent (1909). The entire New Testament in Tigre was published in 1902, a revised version later published in 1934 adopted spelling rules Täwäldä-Mädhin had advocated all along. He later worked with Täwäldä-Mädhin Gäbru (1869–1960) and Dr. Karl Winqvist on the translation of the New Testament into Tigrinya, which was published in 1909, later working on the Old Testament, as well. In addition to his educational and translation work, he also served the churches as a pastor, teacher, and leader, becoming widely known and respected in Eritrea.

[edit] References

  • Arén. Gustav. 1978. Evangelical Pioneers in Ethiopia. (Studia Missionalia Upsaliensia 32.) Stockholm: EFF-Forlag.
  • Holmer, Rosa. 1986. Tewolde-Medhin Gebre-Medhin: Pastor-Educator-Linguist. Quaderni di Studi Etiopici 6/7, 112-142.
  • Ullendorff, Edward. 1968. Ethiopia and the Bible. Oxford: The British Academy.
  • Unseth, Peter. 2010. Täwäldä-Mädhǝn Gäbrä-Mädhǝn. Encyclopaedia Aethiopica, vol. 4, edited by Siegbert Uhlig, p. 877,878. Wiesbaden: Harrassowitz.

ኣብ 1909 ብዙሕ ፍጻመታት ተኸሲቶም እዮም። ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ፣ ናይ መጀመርያ ምቕባእ ወደ ባት ቀሺ እዩ። ክሳዕ እዚ ግዜዚ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝመጹ ወይ ከኣ ኣብ ሽወደን ከይዶም ዝተቐብኡ (ንኣብነት ቀሺ ማርቆስ ግርማይ) እዮም ዝነበሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1909 ግን ኣብ ኤርትራ ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ መጀመርያ ቐሺ ተቐቢኦም። ንሶም ከኣ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን (1860 – 1930) እዮም ዝነበሩ። ናይዞም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ትግረን ትግርኛን ዓቢ ግደ ዝነበሮም ቀሺ ሓጺር ዛንታ ህይወት ቀጺሉ ይቐርብ። እዚ ዛንታዚ ኻብቲ ብመልክዕ መጽሓፍ ኪሕተም ዚዳሎ ዘሎ ቕዳሕ ዝተወስደ እዩ። 

 

ሓጺር

ዛንታ ህይወት ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን

(1860                                                       – 1930)

 

 

 

Rev. Tewolde-Medhin Gebre-Medhin

(source: Facebook Kenisha)

 

ብሮዛ ሆልመር ዝተዘንተወ

ብጉስታቭ ኣረን ዝተተርጎመ

ኣብቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚርከብ ምድሪ ሓበሻ። ሓደ ህዝቢ ኣሎ ሕብሮም ከደራይ። ምልኩዓት። ጽሙኣትን ቅልጡፋትን እዮም፣ ዓድታቶም ኣብ በረኽቲ ዝተደኮና ቝሸታት እየን፣ ብበቕሊውን ክትድይበን ኣሸገርቲ እየን፣ ንሳቶም ግን ኪኸዱ እንከሎ ኣብቲ ኣጻድፍን ጽርግያ ዘይብሉን መገድታት ብቐሊሉ ይስጉሙ፣

እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ዘመን ኣብ ናይ ሃጸይ ዮሃንስ ግዜ ዚጅምር እዩ፣ እተን ናይዚ ግዜዚ ቝሸታት ኵለን ተመሳሰልቲ እየን፣ ኣብቲ ምድሪ ኸኣ ዘየቋርጽ ህውከት ነበረ፣ ዓበይቲ ራእስታት ስልጣንን ሃብትን ንምድላብ ኣንጻር ሓድሕዶም ዕጡቃት ጭፍራታት ነበርዎም፣ እቶም ቆርበቶም ዝሓረረ ተዋጋእቲ ጨካናትን ንዘመተ ዝተዳለ ነበሩ፣ ሰብኡት ይቐትሉ። ኣንስትን ቆልዑን ይጨውዩን ቍሸታት የቃጽሉን፣ ካብ ከምዚ መጥቃዕትታት ኪድሕና እየን እምበኣር እተን ዓድታት ኣብ በረኽቲ ቦታታት ዝተደኮና፣

ሓረስቶት ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኵሉ ሳዕ ኪሃድሙ ይግደዱ ነበሩ፣ ሰላምን ህድኣትን ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዚሰፍን ኣብ ጫካ ወይ በዓትታት ይሕብኡ፣ እኽሎም ከኣ ኣብ ሎቖታታት ከዚኖም ኣብ ምድሪ ይቐብርዎ ነበሩ፣ ነቲ ናይ ብሩር ገንዘቦም ኣብ ትሕቲ እቶን የቐምጥዎ፣ ብዓቢ እምኒ ነቲ እቶን ይኸድንዎ እሞ እቲ እምኒ ብሓውን ሓሙኹሽትን ይሽፈን ነበረ፣ ወይውን ገንዘቦም ኣብቲ በረኽቲ መደቀሲኦም ይሰትርዎ፣ ምስ ተመልሱ ገዝኦም ዋላውን ኵሉ ቝሸቶም ብሓዊ ተቓጺሉ ይጸንሖም፣ ግናኸ ገንዘቦምሲ ኻብ ዘሎዎ ጎርጉሮም ይረኽብዎ ነበሩ፣

እቶም ኣብ ዝባን ኣዴታቶም ብማሕዘል እተጾሩ ህጻናት ጥራይ ዝሓሸ ድሕንነት ይስምዖም ነበረ፣ ንሳቶም ኵሉ ሳዕ ካብ ኣዴታቶም ኣይፍለዩን፣ ነቶም ጓሶት ዝነበሩ ኣወዳትን ነተን ካብ ጫካ ዕንጸይቲ። ካብ ሩባ ኸኣ ማይ ዚጓርታ ኣዋልድን ግን እቲ ኩነታት ጽንኩር ነበረ፣ እዚኣቶም ኣብ ዚኾነ ይኹን እዋን ኪጭወዩ ይኽእሉ ነበሩ፣ ብሰንኪ ሸፋቱ ኣብ ቀጻሊ ራዕዲ እንተ ነበሩ ዘገርም ኣይነበረን፣ እቶም ራእስታት ሓያላት ጎይቶት እዮም ዝነበሩ፣ ክዳውንቶም ብናይ ወርቅን ብሩርን ስልማታት ዘጌጸ ምልኩዕ ካባታት እዩ ዝነበረ፣ ኣብ ርእሶም ናይ ወርቂ ኣኽሊል ይወድዩ፣ ካብቲ ኣኽሊል ከኣ ካብ ብሩር እተሰርሑ ተንጠልጠልቲ ኣሎ እዚኣቶም ኣብ ጸሓይ እናተወዛወዙ የንጸባርቑ፣ እቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ብፋረ ኣንበሳ ዝተዛዘመ እዩ፣ እዚ ኸኣ ናይቲ ራእሲ ብርታዐ ኸመልክት ተባሂሉ እዩ፣ እቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝሓዝዎ ዋልታ ኻብ ቆርበት ዝተሰርሐ እዩ፣ ብብሩር ዝተሰለመ ኸኣ እዩ፣ ኣብ ሽንጦም ጠያይቲ ዚእርንብ ቅናት ነበሮም፣ እቲ ጠዋይ ሴፎም ከኣ ኣብ ቀይሕ ሰገባኡ ኻብ ምሕኩልቶም ጠልጠል ኢሉ ይርአ፣ እተን ጽቡቓት። ድልዱላት ኣባቕል ዚማርኽ ትርኢት ኣሎወን፣ ስልማተንን ልጓመንን ብብሩር ዝወቀበ እዩ፣ 

ኣብ ጎኒ እቲ ራእሲ። ደቁን ኣገልገልቱን የሰንይዎ፣ ብዙሕ ግዜ ገዚፍ ናይ ቆርበት ዳቋ እተኸድኑ እዮም፣ ኣብ ርእሶም ሕብራዊ ቕናት ነበሮም። ኣብ መንኩቦም መሳርያ ኩናት። ኣብ ጎኖም ከኣ ሴፍ ይርአ፣ ኩሉ ሳዕ ንትእዛዝ መራሒኦም ይጸባበዩ፣ ብዅሉ ሰብ ከኣ ዝተፈርሁ እዮም፣

 

ግዜ ቝልዕነትን ጉስነትን

ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ዓዲተከሌዛን ዝተባህለት ቍሸት ሓደ ሃብታም ሓረስታይን ብዓልቲ ቤቱን ይነብሩ ነበሩ፣ ንእሽቶ ጓል ከኣ ነበረቶም፣ ስማ ዓዚዛ እዩ፣ ንሳ ምጭውትን ሕያወይትን እያ፣ ንወለዳ ኸኣ ምንጪ ሓጎሶም ኮነት፣ ንወዲ ፈታዊኦም ከመርዕውዋ ብንእሽቶኣ መብጽዓ ኣትዮም ነበሩ፣  እዚ ኣብ ባህሊ ሓበሻ ዝውቱር ነገር እዩ፣ ሓደ መዓልቲ ዓዚዛ ብህጻና እንከላ ኣዲኣ ብድቁሳ ገዲፋታ ኸደት፣ እታ ሰበይቲ ብዝወጸቶ ነዊሕ ደንጎየት፣ እታ ጓል ምስ ተንስአት ክትበኪ ጀመረት፣ ኣዲኣ ኸም ዘየላ ምስ ተረድአት ከኣ ኣምሪራ ብኽያታ ቀጸለት፣ መወዳእትኡ ንምብካይ ዓቕሚ ኽሳዕ እትስእን ኮነት፣ ስቕታ ኸኣ ወረሳ፣ ወለዳ ምስ መጹ ናይ ብኽያት ድምጺ ኸተውጽእ ኣይከኣለትን። እንታይ ከም ዝረኸባ ኸኣ ኣይፈለጡን፣ ስለዚ ኸኣ ምስ ዓበየት ኪትዛረብ ኣይከኣለትን፣ ዓባስ ኮይና ቐጸለት፣

ወለዳ በዚ ኣዝዮም ጎሃዩ፣ ኣብቲ ምድሮም ሓኪም ዚብሃል ኣይነበሮምን፣ ኪፍውሳ ዚኽእል ከኣ ሓደኳ ኣይተረኽበን፣ ነቲ ህይወታ ዘምርር ካልእ ኵነታት ከኣ ኣጋጠመ፣ እቶም ወለዲ ሕጹያ ዓባስ ምዃና ምስ ፈለጡ። ዓባስ ሰበይቲ ወዲ ኣይደለዩን፣ እታ ጓል ግን ዓበየት፣ ንሳ ምጭውቲ። ምልክዕቲ። ለዋህን ነዲኣ ኸኣ ሓጋዚትን ኮነት፣ ምስ ሳናዱኣ ናብ በረኻ ኸይዳ ዕንጸይቲ ተምጽእ። ካብ ሩባ ኸኣ ማይ ትጓርት ነበረት፣ እቲ መገዲ ዓዲ ጸዳፍን ኣእማን ዝበዝሖን እዩ፣ እቲ ናይ ምውፋር ስራሕ ከኣ ኣዝዩ ኣድካሚ ነበረ፣

Tewolde-Medhin Gebre-Medhin as student at Johannelund

(source: Kenisha by Karl Johan Lundstrom/Ezra Gebremedhin

 

 

ሓደ መዓልቲ ሓደ ቐሺ በቲ መገዲ ብበቕሎም እናደየቡ ደኺሞም ኣዕረፉ፣ ጸሓይ ዘንድድ ዋዒኣ ትሰድድ ነበረት፣ እቶም ዝደኸሙ ቐሺ ነተን ካብ ሩባ ዚምለሳ ኣዋልድ ዓዲ ምስ ረኣዩ። ካብቲ ማይ ዝመልአኦ ዓታሩአን ከስትየኦም ለመንወን፣ እተን ኣዋልድ ግና ግዶም ከይገበራ ሓዲገንኦም ሓለፋ፣ ሓንቲ ጥራይ ደው በለት፣ ነቲ ናይ ቆርበት መእሰሪኣ ፈቲሓ። ዕትሮኣ ብጥንቃቐ ኣውረደት። ካብቲ ዝሓዘቶ ሓምሓም ከኣ ማይ ቀዲሓ። ብኽልተ ኣእዳዋ ነቶም ቀሺ ማይ ኣቐበለቶም፣ ኣብዚ ግዜዚ እቶም ቀሺ ዓባስ ምዃና ተረድኦም፣ ግናኸ ኣዝዮም ፈተውዋ፣

<ካብ ኵላተን እተን ዚዛረባ ንስኺ ትልብሚ> እናበሉ ናብቲ ማእከል ዓዲ ኣሰነይዋ፣ ናብ ስድርኣ ኣትዮም ከኣ መሕደሪ ረኸቡ፣ ንጽባሒቱ ናብ ዓዶም ቅድሚ ምንቃሎም። እዞም ቀሺ ንወለዲ እታ ጓል ሕጽይቲ ኺትኮኖ ንሓደ ገብረመድህን ዝስሙ ወዶም ኪትወህብ ሓተትዎም፣ ሰለጦም ከኣ፣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ናይ ሕጸ ህያባትን ጥልፍን ሒዞም ተመልሱ፣ መርዓ ኸኣ ብስዋ። ብእንጌራን ብሕሩድን ተጸምበለ፣ እቲ መርዓ ሰፊሕ ድግስ ነበረ። ዓዚዛ ናብ ክቡራት ናይ ካህናት ቤተሰብ ስለ ዝኣተወት ወለዳ ብዙሕ ተሓጎሱ፣ ምሸት ምስ ኮነ ኸኣ እታ መርዓትን መርዓውን ናብቲ መርዓዊ ዚቕመጠሉ ዝነበረ ናብ ጸዓዘጋ ኣምርሑ፣

ዓዚዛ ንግዚኡ ንዕንጸይቲ ወይስ ንማይ ምውፋር ኣይምልከታን ነበረ፣ ምኽንያቱ ንኣሽቱ መርዑት ካብ ገዝአን ኪወጻ ኣይፍቀደንን እዩ፣ ብናይ ውሽጢ ገዛ ዕዮ ግን ይጽመዳ ነበራ፣ እታ ነዋሕ ቍመትን ድልድልትን ዓዚዛ ንሓማታ እንጌራ ብምስንካትን ብምጥላፍን ትሕግዛ ነበረት፣

ቀዳማይ ውሉዳ እትወልደሉ ግዜ ምስ በጽሐ ኸኣ ከምቲ ልማድ ናብ ቤት ወለዳ ኸደት፣ ብ1860 ዓዚዛ ሓደ ጽቡቕ ወዲ ወለደት፣ ብጥምቀቱ ኸኣ ተወልደመድህን ተሰምየ፣ ዓብዪ ናይ ኣዲኡ ሓልዮት ዘየድልዮ ምስ መሰለ ኸኣ ዝበዝሐ ግዜኡ ኣብ እንዳ ኣበሓጎታቱ ኸሕልፎ ጀመረ፣ ንሳቶም ክሳዕ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ዚኸውን ኣዕበይዎ፣

ካብዚ ግዜዚ ግን ናብ ወለዱ መጺኡ ምስ መሳቶኡ ጓሶት ኣጣል ኪጓሲ ጀመረ፣ ምሸት ኣብ ጥቓ ሓዊ ኮይኑ እቶም ክልተ ሚእትን ሱሳን ፊደላት ይመሃር ነበረ፣ ኣቦኡ ገብረመድህንን ሓወቦኡ ሓይልኣብን ኣብ ጸዓዘጋ ኣቕሽሽቲ እዮም ዝነበሩ፣ እኳ ደኣ እቶም ምርኡያት ነበሩ፣ ንተወልደ ፊደል ከቑጽርዎ ብዙሕ ሃረርታ ነበሮም፣ ንሱ ኸኣ ንትምህርቲ ፍሉይ ተውህቦ ኸም ዝነበሮ ኣመስከረ፣ ነቲ ጥንታዊ ናይ ቤተ-ኽህነት ቋንቋ ዝኾነ ግእዝ እዩ ዚመሃር ዝነበረ፣ ስለዚ ምስ ካልኦት ጓሶት ደቂ ተባዕትዮ ብትምህርቲ ኺዓቢ ጀመረ፣

ሓወቦኡ ቐሺ ሓይልኣብ ንዅሉ ዚገብሮ ዕዮ ብዓቢ ተገዳስነት እዩ ዚዓሞ፣ ነቶም ተመሃሮኡ ኸኣ ናይ ዲቁና ምርመራ ብትግሃት ኣዳለወሎም፣ ኣብዚ ግዜዚ ተወልደ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት እዩ፣ ሓይልኣብን ተመሃሮኡን እምበኣር ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ሓበሻ እትብሃል ኣኽሱም እቲ ነዊሕ ጕዕዞኦም ጀመርዎ፣ እቲ ስንቆም እቲ ዝፈኾሰ ኪኸውን ነይርዎ፣ ኣብቲ ኣባትሮም ንእሽቶ ናይ ስገም ወይ ስርናይ ቅጫ ይኣስሩ፣ እዚ ዅሉ ሳዕ ዘይተርፍ መኻይዲ ደቂ ሓበሻ እዩ፣ ሒደት ናይ ብሩር ሰልዲ ከኣ ነበርኦም፣ እዘን ሰልዲ ንኣቡን ዚኽፈላ እየን፣ ትሕዞኦም እዚኣተን ጥራይ እየን፣ መንእሰያትን ሓልዮት ሓዳር ዘይብሎምን እዮም፣ ቅጭኦም እንተ ተወድአ። ኣብ ኣፍ ደገ ዚረኸብወን ኣባይቲ ቐሪቦም ይልምኑ ነበሩ፣ ኪመሲ እንከሎ ኸኣ ኣብቲ ቝሸታት ኣሕድሩና ይብሉ፣ ናብ ኣኽሱም ኪኸዱ እንከሎ ይኹን ኣብ ምላሾም ከምኡ ነበረ፣ ህዝቢ ከኣ ነቲ ዝሓተትዎ ብናጻ ይህብዎም፣ ምኽንያቱ ኸምዚ ዝበለ ልግሲ ናይ ዘለኣለም ብጽእና ዘምጽእ ሰናይ ተግባራት እዩ ዚውሰድ፣

መወዳእታኡ ኣኽሱም በጽሑ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ኣቡን ከኣ ደው በሉ፣ ብኣኽብሮት ከኣ ነቶም ኣቡን ሰገዱሎም፣ ነናቶም ቅዱስ ጽሑፋት ምስ ኣንበቡ ኸኣ ብኢድ እቶም ኣቡን ተባረኹ፣ ገንዘቦም ምስ ከፈሉ ንናይ ዲቁና ኣገልግሎቶም ይበቕዑ፣ ቅድሚ ናብ ዓዶም ምምላሶም ኣብ ኵለን እተን ናይ እኽሱም ኣብያተ ክርስትያን ይዞሩ፣ እታ ዝዓበየት ቤተ-ክርስትያን <ማርያም ጽዮን> ትበሃል ነበረት፣ ኣዝያ ቅድስቲ ስለ እትብሃል። ደቂ ኣንስትዮ ኣብዛ ቤተ-ክርስትያን ኪቐርባ ኣይፍቀደንን ነበረ፣ ዓመት ዓመት ሰላምን ምሕረትን ደልዮም ብዙሕ ህዝቢ ናብዛ ቤተ-ክርስትያን ይነግዱ፣

እዞም መንእሰያት እምበኣር እቶም ኣቕሽሽቲ ብኸበሮን ጸናጽልን ኪዝምሩ ተዓዘቡ። እቲ ዅሉ ኽቡር ዘውድታት። ጽላልን ኣልባሳትን ከኣ ቀሪቦም ኪርእይዎ ዕድል ረኸቡ፣ እዚ ዅሉ ኽቡር ኣጋጣሚ ነዞም መንእሰያት ዘይሃስስ ዝኽሪ ገደፈሎም፣ በቶም ካብ ንጽል ከውሒ እተሰርሑ ሓወልትታት ኣኽሱም ከኣ ተገረሙ፣ እዞም ሓወልትታት ሓበን ደቂ ሓበሻ ነበሩ፣

ነቶም ኣሽሓት ኣጓዱን መስተንክር ሓወልትታትን ኣኽሱም ምስ ረኣዩ ንዓዶም ኪምለሱ ሕጉሳት ነበሩ፣ ነቲ ዅሉ ዝረኣይዎን ዝተሞኮርዎን ከዘንት ብዙሕ ህንጡይነት ነበሮም፣ ስለዚ ኸኣ ዓዶም ኪበጽሑ ተሃወኹ፣ ካብ ኣኽሱም ኪምለሱ እንከሎ። ኣብ መገዶም ዝረኸብዎም ሳዕረ ማዕርን ኣቝጽልትን ኣጽንዑ፣ ጓሶት ሓበሻ ብዙሕ ዓይነታት ኣቝጽልቲ ብቓሎም እዮም ዚፈልጡ፣ እቶም ምሁራቶም ዝኾኑ ደብተራታት ንፈውሲ ዚጥቀሙሎም ኣቝጽልቲ ኣበይ ከም ዚርከቡ ኸኣ ይፈልጡ እዮም፣

ኣብ ጸዓዘጋ ምስ በጽሑ። እዞም ሓደስቲ ዲያቆናት ኣብ ቤተ-ክርስትያን በብተራ ኸገልግሉ ጀመሩ፣ ኣብቲ ኻልእ ግዜ ኸኣ ይጓስዩ፣

 

ብርሃን ኣብ ጸልማት የብርህ

ኣብ ከበሳታት እዋን ክረምቲ እዩ ዝነበረ፣ እቲ ዝበቖለ እኽሊ ሓምላይ ኮይኑ ብንፋስ ንየው ነጀው ይብል፣ እቲ ኽረምቲ እኳ እንተ ኣቋረጸ። ወሓይዝ ግን ብጎኒ እቶም ኩርባታት ጃሕ ጃሕ ይብሉ፣ ናብቲ ሩባ ኸኣ ይሕወሱ፣ እቲ ሩባ ኻብ ዓመት ናብ ዓመት እናገፍሐን እናዓሞቐን እዩ ዚኸይድ፣ ኣግራብን ቆጥቋጥን በቲ ብርቱዕ ውሒዝ ይግፍዑ፣ ውሒዝ ብትሕቲ እታ ጸዓዘጋ እትብሃል ቍሸት ይውሕዝ፣ ማይ-ጓይላ ኣብቲ ጎዳጉዲ እንተ ዘይተሪፉ ኣብ ቅድሚኣ ዚጸንሓ ዅሉ ነገር ገፋፊጣ እያ እትኸይድ፣ 

ሓደ ኻብቶም ጓሶት ተወልደ እዩ፣ ንሱ ምልኩዕ መንእሰይ። ወዲ እቶም ሊቀ-ካህን እዩ፣ ብቑሪ እናንቀጥቀጠ ገዝኡ ምስ ኣተወ። ሓዊ ኺስሕን ይጅምር፣ ገለ ኣጋይሽ ዓዲ ኣትዮም ከም ዘሎ ኸኣ ተረድአ፣ ጽንሕ ኢሎም ኣቦኡን ሓወ ቦኡን ሓደ ጋሻን ናብቲ ገዛ ይኣት፣ እቲ ጋሻ ፈረንጂ እዩ ዝነበረ፣ ንሳቶምውን ሓዊ ኺስሕኑ ይጅምሩ፣ በታ ብዓልቲ ቤት ድራር ክሳዕ ዚቕረብ ከኣ ይጽበዩ፣ እቲ ገዛ ሓደ ዓቢ ህድሞ እዩ ዝነበረ፣ ብግዜ ምሸት እቲ ዅርናዓት ገዛ ጸልማት እዩ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ጭልምልም ዚብል ብርሃን ናብቲ ዅርናዓት ይልእኽ፣

እቶም ሰብኡት ኣብ ቤተ-ክርስትያን እዮም ጸኒሖም፣ ከመይ ገይሮም ነቲ ቤተ-ክርስትያን ዚኸውን ጥዋፍ ከም ዚሰርሑ ኸኣ ይማኸሩ፣ እቲ ጋሻ ብዓል ሽወደን ሚስዮናዊ እዩ፣ ኣብ ዓዱ ሰባት ከመይ ገይሮም ጽቡቕ ጥዋፍ ከም ዚሰርሑ ኣዘንተወሎም፣ እቲ ኣገባብ ከም ዚምህሮም ከኣ ቃል ኣተወሎም፣ እቶም ክልተ ኣቕሽሽቲ ኪመሃሩ ባህጊ ከም ዘሎዎም ኣረጋገጹሉ፣ እዚ ጋሻ ነታ ኣጋጣሚ ንኻልእ ዕላማ ተጠቕመላ፣ ብዛዕባ እቲ ብርሃን ዓለም ኪነግሮም ጀመረ፣ የሱስ ከምዚ በለ። <ኣነ ብርሃን ዓለም እየ፣ እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር። ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ> ዮሃ።8።12፣ <እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ> ዮሃ።1።9፣

እናተዘራረቡ ፍርቂ ለይቲ ሓለፈ፣ እቲ ድቕድቕ ጸልማት ነታ ቝሸትን ጎላጉላን ከደኖም፣ ኵሉ ደሃይ መዓልቲ ኣቋሪጹ ነበረ፣ ሰብን እንስሳን ኣብ ልዋሞም ኣተ፣ ነቲ ናይ ተፈጥሮ ስቕታ ዚርብሽ ነገር ኣይነበረን፣ በታ ለይቲቲኣ ኣብ ቍሸት ጸዓዘጋ ሰላም ሰፊኑ ነበረ፣

እቶም ኣቕሽሽቲ ብዘረባ እቲ ሚስዮናዊ ኣዝዮም ስለ እተነኽኡ። ዝያዳ ኺሰምዑ ደለዩ፣ ነቲ ንእሽቶ ጓሳ ወዲ ግን ተጻራሪ ስምዒታት ወረሶ፣ ኣብ መወዳእታ ተንሲኡ ንበቕሊ እቲ ሚስዮናዊ ጋሻ ሓሰር ሃቦ፣ ናብ መደቀሲኡ ኸኣ ከደ፣ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ግና ነቲ ብዛዕባ ብርሃን ዓለም ዝጀመርዎ ዝርርቦም ነዊሕ ሰዓታት ቀጸልዎ፣

እዞም ኣቕሽሽቲ ገብረመድህንን ሓይልኣብን ንቓል እቲ ህያው ኣምላኽ ኪሰብኩ ምስ ጀመሩ። ህዝቢ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ ኸንብብ ጀመረሞ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ሰዓበ፣ ንመንፈስ ቅዱስ እናጸውዑ ጸለዩ። ናይታ ቤተ-ክርስትያን እምነት ኪነቓቓሕ ከኣ ለመኑ፣ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚጻረሩ ግን ተንስኡ፣ ከምቲ ቓሉ ዝበሎ። <ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ። ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተ> (ዮሃ። 3። 19ለ)፣ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ ዚደለዩ ኸሳጉጉዎም ጀመሩ፣

ሓይልኣብ ግን ብመንፈስ ቅዱስን ህይወትን ናይ እምነት ርትዕን መሊኡ ነበረ፣ ተወልደ ነቲ ሓወቦኡ ሓይልኣብ ካብቶም ላገርን ሄደንስትሮምን ዚብሃሉ ኽልተ ሚስዮናውያን እተቐበሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ የንብብ ነበረ፣ እቶም ሚስዮናውያን ኣብ ዓይለት እዮም ዚቕመጡ ዝነበሩ፣ ዓይለት ብዙሕ ህዝቢ ኺሕጸብን ኪጥዕን ዚኸዶ ውዑይ ዓይኒ ማያት ዘሎዎ ቦታ እዩ፣ ኣብዚ ቦታዚ ነቶም ሚስዮናውያን እተላለይዎም ሰባት ከኣ ካብ መንፈሳዊ ጭንቆምውን ይሓውዩን ይድሕኑን ነበሩ፣

ሓይልኣብውን ብዛዕባ የሱስን ዕዮ ምድሓኑን ዝያዳ ኺመሃር ናብ ዓይለት ወረደ፣ ብስምዒት ተቓጺሉ ስለ ዝነበረ ነቲ ንየሱስ ዝነበሮ ፍቕሪ ኸየግሃዶ ሱቕ ኪብል ኣይከኣለን፣ ንተወልደን ካልኦት መንእሰያትን ከኣ መሃሮም፣ እቶም ጓሶት ካብቲ በረኻ መዓር ሰንካል ይእክቡ። ንጥዋፍ ዚኸውን ሰምዒ ኸኣ የምጽኡ ነበሩ፣ ምሸት ምስ ኮነ ድማ መጻሕፍቶም ገንጺሎም ነቲ ሓቅን ህይወትን ኪረኽቡ የምስዩ፣    

ሓይልኣብ ነቶም መናእሰይ ካብ ዓይለት ብዙሕ መጻሕፍቲ ለኣኸሎም፣ ተወልደን ብጾቱን ነዞም መጻሕፍቲ ብምስጢር የንብብዎም ነበሩ፣ ግናኸ ተወልደ ንጎይታ የሱስ ከም መድሓኒ ነፍሱ ኪቕበሎ ድሉው ኣይነበረን፣ ከም ሓጥእ ንርእሱ ኸትሕት ኣይከኣለን፣ ልቡ ገና ዕቡይ ነበረ። ድሌት ልቢ ኣየጥረየን፣ ኵሉ ዘንብቦ ነገረ ህይወት ዘይብሉ ምት ፍልጠት ኮኖ፣ እግዚኣብሄር ናብ እምነት ኪስሕቦ ዝበርትዐ መገዲ ኺጥቀም ግዲ ኮኖ፣

ህዝቢ ጸዓዘጋ ግን ብብዙሕ ለውጥታት ይሓልፉ ነበሩ፣ ናይ እምነት መከራ ኸጋጥሞም ጀመረ። ገናውን ንእምነቶም ኪስቀዩ ነይርዎም፣ እቶም ራእሲውን <ብጻይ እቲ ቓል> ኮኑ፣ ግናኸ ብኻልእ ዓቢ ራእሲ ኣብ ውግእ ህይወቶም ሰኣኑ፣ ከምኡውን ኣቦ ተወልደን ሓወቦኡን ተቐትሉ፣ እቲ ኣብ ግዜ እቲ ውግእ ኣብ ጸዓዘጋ ዝነበረ ሚስዮናዊ ላገርውን ተቐትለ፣

ኣብቲ ግዜቲ ተወልደ ኣብ በረኻ ኸብቱ ይጓሲ ነበረ፣ ብሓባር ምስ ካልኦት ጓሶት ኣብ በሪኽ ቦታ ወጺኡ ነቲ ዘፍርህ ትርኢት ይዕዘብ ነበረ፣ እታ ቝሸቶም ምስ ካልኦት ብዙሓት ቍሸታት ነደደት፣ እቶም ብፍርሂ ዝተዋሕጡ ኣንስትን ቆልዑን ዘስምዕዎ ዝነበሩ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ኣውያት ካብ ማዕዶ ሰምዖ፣ ንሳቶም ህይወቶም ከድሕኑ ኺሃድሙ ይርእዮም ነበረ፣ እቶም ጓሶት ዘረፍቲ ኸይመጽዎም ብዚከኣሎም ነተን ማሎም ናብ በረኻ ገጸን ኣርሓቕወን፣ ነተን ማል ናብ በበይኑ መኣዝናት እናፈላለዩ ኪኹብኩብወን ይረኣዩ ነበሩ፣ ተወልደ ኣብቲ ሰብ ዘይበጽሖ ናይቲ በረኻ መኻን ጸንሐ፣ ነተን ኣላሕም እናሓለበ ብጸብአን ኪነብር ጀመረ፣ ኣብዚ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ምስ ጸንሐ ግን ድምጺ እቶም ማሉ ዝደለዩ ዘረፍቲ ሰምዐ፣

መሕብኢኡ ቕድሚ ምፍላጦም። ተወልደ ቐልጢፉ ሃደመ፣ ኮለል ኢሉ ኸኣ ናብ ገዛ ኣኩኡ በጽሐ፣ ኣብኡ ድማ ነታ ዘይትዛረብ ኣዲኡ። ሓን ሓብቱን ረኸቦም፣ ናይቶም ዘፍቅሮም ሞት ከኣ ነገርዎ፣ በቲ  ሞት ፍቁራቶም። ዕንወት ገዝኦምን ምጥፋእ ጥሪቶምን ከኣ ሓቢሮም በኸዩ፣ ብዘይካ እቲ ኣብ ዝባኖም ዝነበረ ክዳውንቶም ከኣ ጥራይ ኢዶም እዮም፣ ግናኸ ንኣሽቱን ሰብ ምሉእ ጥዕናን እዮም እሞ እቲ ብህይወት ናይ ምንባር ድሌቶም ደኣ ልዕሊ ዅሉ ነበረ፣ ብዙሕ ከይጸንሐ። ተወልደ ጕዕዞኡ ጀመረ፣ ካብቶም ከብቲ ዘናድዩ ዚራስዩ ወተሃደራት ግን ኪሕባእ ነይርዎ፣ ንሳቶም ነተን ዝዘመትወን ከብቲ ዚሕዙሎምን ዳሕራይ ከኣ ወተሃደራት ዚኾንዎምን ጓሶት ይደልዩ ነበሩ፣

ተወልደ ኣብቲ በሪኽ ዝነበረት በዓቲ ዘከረ፣ ምሸት ምስ ኮነ ከኣ ኪሕባእ ናብኣ ደየበ፣ እቲ ጸልማት ዘፍርህ እዩ፣ ብቑርን ፍርህን ምንቅጥቃጥ ሓዞ፣ ጥሜት ከኣ ነበሮ። እቲ በዓቲ ኸኣ ጠልቅዩ እዩ፣ ድቃስ ኪመጾ ኣይከኣለን፣ ምስ ወግሐ ናብቲ በዓቲ ነብሪ ውትፍ በሎ፣ ዝተሰመዖ ፍርሂ ምግማቱ ኣየጸግምን፣ እቲ ነብሪ ኣዝዩ ስለ ዝቐረቦ። ተወልደ ብኢዱ ኺትንክፎ ይኽእል ነይሩ፣

ሽዑ ናብ የሱስ ናብ መድሓኒኡ ኺልምን ጀመረ፣ መወዳእታኡ የሱስ ጸሎት ከም ዚሰምዕ ኣመነ፣ <ካብዚ ነብርዚ እንተ ኣድሓንካኒ ምሉእ ህይወተይ ከገልግለካ እየ> ኢሉ ብልቡ ናብ ኣምላኽ ኣእወየ፣ ኣምላኽ ጸሎቱ ሰምዐ፣ እቲ ነብሪ ቐስ ኢሉ ናብታ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረት ዓይኒ ማይ ኪሰቲ ኣግለሰ፣ ንተወልደ ካብቲ በዓቲ መገዲ ኽልተ ሰዓታት እትነብር ኣሞ ነይራቶ፣ ናብኣ ገስገሰ፣ ኣብኣ በጺሑ ሰዓት ከየዕረፈ ግን እቶም ወተሃደራት ኣርከብዎ፣ እቲ ኣባይቲ ግን ብናይ እኽሊ ቖፎታት ዝተመቓቐለ ነበረ፣ እዞም ቆፎታት ብዙሕ ክሻታት እኽሊ ዚሕዙ ኽንዲ ቝመት ሰብኣይ እዮም፣ ናይተን ኣንስቲ መስርሒ ኽፍሊ ብድሕሪ እዞም ቆፋፉ ነበረ፣ እቶም ወተሃደራት ምስ ቀረቡ። ኣሞኡ ንተወልደ ኣብ ሓደ ካብቲ ቖፋፉ ሓብኣቶ። ነቲ ቖፎ ኸኣ ብጨርቂ ኸደነቶ፣ እቶም ወተሃደራት ነቲ ገዛ ጎርጎርዎ፣ ነቲ ወዲ ስለ ዘይረኸብዎ ግን ብኡ ንብኡ ኻብቲ ዓዲ ነቐሉ፣

ንጽባሒቱ ንጉሆ ግን ተወልደ ኻብቲ ዓዲ ተቐላጢፉ ሞሎቐ፣ ቅድሚ ብራቕ ጸሓይ። ካብቶም ዝለመዶም ህዝብን ዓድታትን ረሓቐ፣ ፍርሂ እናኣጨነቖ። ከቢድን ዘፍርህን ብሕትውና ዓብለሎ፣ ኣብዚ በረኻዚ እቲ ዚፈርሆ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዝቐረቦ ኾይኑ ተሰመዖ፣ ርእሱ ግን ንእሽቶን ጭንቕትን ኮይና ረኸባ፣ ደኺሙን ምስ ቁስሊ ኣእጋሩን ጎቦ ደየበ። መሊሱ ኸኣ ብኽንየው እቲ ጎቦ ንታሕቲ ኣንቆልቆለ። ነቲ ሩባ ሰጊሩ ኸኣ መገዱ ቐጸለ፣ ነቲ ዝረስሐ ኽዳውንቱ እሾኽ ቀደዶ። ጥሜት ከኣ የሳቕዮ ነበረ፣ ድሕሪ ሕጂ ሕያዎት ሰባት ይረክብዶ ይኸውን? ሓሸሽ ዚብል ድምጺ ብዝሰምዐ። ትርግታ ልቡ ይቕልጥፍ ነበረ፣ ከምዚ ኢሉ ድማ ጸለየ። <ዎ እግዚኣብሄር ኣብ። ወወልድ። ወመንፈስ ቅዱስ። ምሓረኒ። ናብቲ ኣብ ገለብ ዘሎ ሄደንስትሮም ከኣ ኣብጽሓኒ>፣

እግዚኣብሄር ኣብቲ ትእዛዛቱ ኪኸውን ዚደለዮ ቦታ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣሎውዎ። ንሳቶም እቶም ዘይፈልጥዎ ወይ መልእኽቱ ኸም ዚፍጽሙ ዘሎ ዘይርድኡ እዮም፣ ኣብዚ ግዜዚ እውን ከምኡ ዝበለ ነገር እዩ ኾይኑ፣ ተወልደ ኣብ ጸበብኡ ናብ ኣምላኽ ምስ ተማህለለ። ገለ ሰብ ኪመጽእ ሰሚዑ፣ ጸላእቲ ኸይኮኑ ብምፍራህ ከኣ ብድሕሪ ቖጥቋጥ ኪሕባእ ሸበድበድ በለ፣ ካብቲ ዝተሓብኣሉ ቦታ ተጠንቂቑ እንተ ኣስተውዓለ ግና። ሓደ ምስ ገመሉ ዚሓልፍ ኣስላማይ ሸቃጣይ ረኣየ፣ ምስ ኣረጋገጸ ኸኣ ወጺኡ ምስኡ መገዲ ኪኸይድ ሓተቶ፣

እቲ ኣስላማይ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ፣ ንተወልደ ኺሕልዎ ምዃኑ ቓል ኣተወሉ። ካብቲ ሓርቡ ጸባ ሃቦ። ኣብ ገመሉ ኸኣ ሰቐሎ፣ ንኽልተ መዓልታት ተጓዒዞም ከኣ መንሳዕ በጽሑ፣ ገለብ ኣብ መንጎ እቲ ኣኽራን ኣብ ዘሎ ስንጭሮ ነበረት፣ ኣብኡ ኸኣ ናይ ሚስዮን ገዛን ቤት ትምህርትን ኣሎ፣ ተወልደ ኸኣ ኣብኡ ብምብጽሑ ተሓጎሰ፣

ሄደንስትሮም ድሮ ኻብ ከበሳታት ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ተቐቢሉ ነበረ፣ ተወልደ ኸኣ ቅድሚኡ ኣብኡ ዝጸንሑ ዚፈልጦም ደቀ ጸዓዘጋ ረኸበ፣ ካብቲ ጸዓዘጋ ኺትነድድ ዝረኣያ ግዜ ኣትሒዙ ዝቐነዮ እዋን ከም ዘባህርር ሕልሚ ነበረ፣ ንብዙሕ መዓልታት ከኣ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ ነዚ ይሓስብ ነበረ፣ ሓደ ነገር ከኣ ተረድኦ፣ እግዚኣብሄር ከሰንይዎን ኪሕልውዎን መላእኽቱ ኸም ዝሰደደሉ፣ ሕጂ እምበኣር ንመድሓኒኡ ኸገልግልን ኪእዘዝን ቆረጸ፣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት እዩ ዘሎ፣ ወንጌል ከኣ <ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን> (ሮሜ። 1። 16) ምዃኑ ተጋህደሉ፣

 

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚስዮን ገለብ         

ብ1876 እዚ ኸባብዚ ገና ኣብ ትሕቲ ግብጻውያን ነበረ፣ ኣብ ትሕት ምምሕዳር ግብጻውያን እቲ ሚስዮን ብሰላም ይዓዩ ነይሩ፣ ሄደንስትሮም ኣብቲ ቤት ትምህርቱ ኻብ ሰብዓን ክልተን ዘይውሕዱ ተመሃሮ ነበርዎ፣

ተወልደን እቲ ጸኒሑ ዝመጸ ሓ ገብረኣምላኽን እምበኣር ሓድሽ ህይወት ጀመሩ፣ ናይ ክፍሊ ትምህርትን ምዱብ ዕዮን ይወሃቦም ነበረ፣ ኣውራ ዚዛረቡሉ ቛንቋ ኸኣ ኣምሓርኛ እዩ፣ ምኽንያቱ እቶም ሚስዮናውያን ዝፈልጥዎ ቛንቋ ንሱ እዩ ነይሩ፣ እቶም ህዝቢ መንሳዕ ትግረ ይዛረቡ። እቶም ደቂ ከበሳ ኸኣ ቋንቋኦም ትግርኛ እዩ፣ ኣብ ምጽዋዕ ሃሩር ኪጅምር እንከሎ ኸኣ እቶም ኣብ ምጽዋዕ ዚነብሩ ሚስዮናውያን እውን ናብ ገለብ ይመጹ ነበሩ፣ ምስኣቶም ከኣ ካብ በበይኖም ዓሌታትን ቋንቋታትን ዝመጹ ተመሃሮ ነበርዎም፣ እምበኣር ኵሎም ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺረዳድኡ ቛንቋ ኣምሓርኛ ኺፈልጡ ነይርዎም፣ ስለዚ ትምህርቲውን ብኣምሓርኛ እዩ ዚውሃብ፣ መጽሓፍ ቅዱስውን ብኣምሓርኛ ድሉው እዩ፣ ካልኦት መጻሕፍቲውን በቲ ቛንቋ ነበሩ፣

ብደገ ዅሉ ነገር ህዱእ ነበረ፣ እቶም ሚስዮናውያን ከኣ በቲ ዚርእይዎ ዝነበሩ ናይ ብርሃን ጮራ ሕጉሳት ነበሩ፣ ሓደ ካብ ተመሃሮኦም ናይ ሓቂ ለውጢ ህይወት ምስ ረኸበ ኸኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ፣ ንሱ ኺጥመቕ ደለየ፣ ንብዙሕ ዓመታት ጻማ ጻዕሮም ተጸብዮም እዮም፣ ሕጂ እምበኣር ሓድሽ ሓይሊ መልኦም፣ ሓደ ወዲ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወዲ ብ8 ሓምለ 1877 ተጠምቀ፣ ስሙ ዳዊት ኣማኑኤል ተባሂሉ ኸኣ ምስቶም ውፉያት ኣመንቲ ተጸንበረ፣ ነቲ መዓልቲ ብዓይኑ ዝረኣዮ ሰብ ከም ዝበሎ <ብኸናፍሩ ሰናይ ምእማን ተኣሚኑ ናብ ሩባ ወሪዱ ተጠምቀ፣ ናብ ክርስቶስ ተጠሚቑ ኸኣ ንሓድሽ ህይወት ምስ ክርስቶስ ተንስአ>፣ እቲ ጥምቀት ሓደ ሰንበት ንጉሆ ኣብ ጎልጎል እዩ ተኻይዱ፣ እቲ ምኡዝ ሽታ ኣትክልትን እቶም ጻዕዳ ዝተኸድኑ ተመሃሮን ነቲ ኽቡር ኣጋጣሚ ኣማዕሪጎሞ ነበሩ፣ ነቲ ኣጋጣሚ ዝመርሖ ቐሺ ሉንዳሃል እዩ ነይሩ፣

ዳዊት ኣማኑኤል እቲ ቐዳማይ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ወዲ መንሳዕ እዩ፣ ንሱ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ። መምህርን ቀሺን ብምዃን ነቲ ሚስዮን ዓቢ በረኸት ኮነ፣

ዳዊት ምስ ኣመን እምበኣር። ናብ ቋንቋ ትግረ መጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጉም ተመዘዘ፣ ትግረ ቛንቋ ስድርኡ እዩ ዝነበረ፣ ተወልደመድህን ናብ ገለብ ምስ መጸ ኸኣ ንዳዊት ንፉዕ ሓጋዚ ኸም ዝኾኖ ተራእየ፣ ምኽንያቱ ንሱ ንነዊሕ እዋን ኣብ እግሪ ቐሺ ሓይልኣብ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ነይሩ፣ ግእዝን ኣምሓርኛን ከኣ ተማሂሩ እዩ፣ ተወልደ ኣብቲ ዕዮ ኺጽመድ ብዙሕ ኣይወሰደሉን። ህይወቱ ምሉእ ከኣ ንኸምኡ ዕዮ ወፈየ፣ ምኽንያቱ ኽሳዕ ሞቱ ምትርጓም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣውራ ዕማሙ ኾነ፣ ዳዊትን ተወልደን እምበኣር ምሉእ ህይወቶም ኣዕሩኽ ኮይኖም ቀጸሉ፣

ህድኣትን ሰላምን ገለብ ከኣ ብኡ ንብኡ ተዘርገ፣ ብላታ ገብሩ ዚብሃሉ ራእሲ ኸኣ ነቲ ምድሪ ወረርዎ፣ ካብተን ብዙሓት ቍሸታት ፈሰስ (ግብሪ) ኺእክብ ከኣ ንኣገልጋሊኦም ለኣኽዎ፣ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ኣብ ገለብ መጸ፣ ሄደንስትሮም ነቲ ቤት ትምህርቲ ደው ከብሎ ተገደደ፣ እቶም ሚስዮናውያን ግን ኣብ ምጽዋዕ ሃሩር ምስ በርትዐ ኣብ ገለብ ከዕርፉ ተፈቕደሎም፣ ከይምህሩ ግን ተኸልከሉ፣ እቶም ደቂ ከበሳ። ነቲ ናይ ምጽዋዕ ሃሩር ኪጻወርዎ ስለ ዘይከኣሉ ሰራሕተኛታቶም ኮይኖም ኣሰንዮሞም መጹ፣ ዳዊትን ተወልደን እውን ናይ ትርጉም ዕዮኦም እናገበሩ ምስኣቶም ተቐመጡ፣

እቲ መደበር ሚስዮን ካብቲ ቝሸት ኣብ ሓጺር ርሕቀት እዩ፣ እቲ ግብሪ ዚእክብ ሰብ (ተጋዊ) ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዘይትፍለጥ ኣጉዶ ይነብር፣ መዓልታዊ ናብቶም ሚስዮናውያን እናመጸ ኺዘናጋዕ ይደሊ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ከም ዘይተሸገሩ መሲሎም ጭንቀቶም ሓቢኦም ይኸዱ ነበሩ፣ ኣንጻሮም ክፉእ ከይሓስብ ስለ ዝፈርሁ፣ እቲ ዝፈርህዎ ግን ቀልጢፉ ኾነ፣

እቶም ወተሃደራት ብላታ ገብሩ ነቲ ቐጽሪ ሚስዮናውያን የዘውትርዎ እዮም፣ ብቐጻሊ ይኣትዉን ይወጹን እዮም፣ ሓደ ንጉሆ ገለ ኻብቶም ክርስትያናት ናሕሲ የዐርዩ ነበሩ፣ ኣብቲ ውሽጢ ኸኣ ዳዊትን ተወልደን ምትርጓም ጀሚሮም ነበሩ፣ ዓው ዝበለ ድምጽን ጫውጫውን ኪሰምዑ ጀመሩ፣ ምስኣቶም ዝነበረ ወልደኣብ ዚብሃል ከኣ እንታይ ከም ዘሎ ኺርኢ ኢሉ ነቲ ማዕጾ ኸፈቶ፣ ብኡ ንብኡ ግን ካብ ሓደ ወተሃደር ተተኩስዎ ሞተ፣ እቶም ካልኦት ወተሃደራት ከኣ ናብቲ ገዛ ኺኣት ኣብቲ ኣፍደገ ተጸቓቐጡ፣ ተወልደ ኣዝዩ ስለ ዝሰንበደ። ካብ ዚቕተል ኢዱ ኺህብ ተዳለወ፣ ዳዊት ግን ናብቲ ኽፉት መስኮት ሰሓቦ፣ ክልቲኦም መናእሰይ ከኣ ብቐሊሉ መሎቑ፣ በየን ከም ዝሃደሙ ኣይተፈልጡን፣ ኣብ በረኻ በጺሖም ከኣ ካብቶም ሃደንቶም ደሓኑ፣

እቶም ኣብ ናሕሲ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ከኣ ካብቲ ናሕሲ ዘሊሎም ናብቲ ጎልጎል ገጾም ጎየዩ፣ እቶም ወተሃደራት ግን ሰዓብዎም፣ ገሊኣቶም ኪማረኹ ቐሪቦም ነበሩ። ክዳውንቶም ኣብ ኢድ እቶም ወተሃደራት ገዲፎም ግን ኣምለጡ፣ ዝባኖም እናተራእየ ኸኣ ናብቲ በረኻ ገጾም ከዱ፣ ኵሉ እቲ ጎላጉል ኣሿኽ ቆጥቋጥ መሊኡ እዩ፣ እቶም እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ዝሃደሙ ግን እቲ እሾኽ ኣይተሰመዖምን፣ እቶም ዘጓየይዎም ወተሃደራት ግን ተዓጊቶም። በቲ እሾኽ ተወጊኦም ተሓለሉ፣

ብዙሓት ክርስትያናት ተማሪኾም ተወስዱ፣ ምኽንያቱ ብላታ ገብሩ ንነስፍ-ወከፍ ብህይወቱ ወይ ብሬስኡ ዘምጽእዎ ናይ ወንጌል ኣማኒ ዓስቢ ኺረኽቡ ምዃኖም ነቶም ወተሃደራት መብጽዓ ኣትዮሙሎም ነበሩ፣ እቶም ዘይተታሕዙ ኣመንቲ ኣብቲ በረኻ ተሓብኡ፣ ንገለ መዓልታት ኣብቲ መሕብኢኦም ምእንቲ ኪቕጽሉ ሕያዎት ደቂ መንሳዕ ቅጫን ማይን ሃብዎም፣

ሓደ ሰጊድ ዝስሙ ዓይነ-ስዉር ተመሃራይን ገለ ሒደት ኣወዳትን ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ኣትዮም ተሓቢኦም ነበሩ፣ ትንፋሶም ሓቢኦም ኣጽቀጡ፣ ኣብቲ ኣብ ጎኖም ዝነበረ ኽፍሊ ግን ካልኦት ክርስትያናት ተኣሲሮም ነበሩ፣ እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ደገ ነበሩ፣ እቲ ሚስዮናዊ መጺኡ ንሰጊድን ነቶም ካልኦትን ከፍትሖም ዘይከኣል እዩ፣ እቲ ሚስዮናዊ ናብቲ ተቐባል ግብሪ (ተጋዊ) ኸደ፣ ኪልምኖ ኸኣ ጀመረ፣ ከእምኖ ምእንቲ ሓንቲ ጠበንጃ ብህያብ ሃቦ፣

በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ቤት እቲ ሚስዮናዊ ሓደሩ፣ ንጉሆ ግን ናብቲ በረኻ ኸዱ፣ እቲ ሓሳብ ከየርሓቑ ምእንቲ ኺሕብኡ እዩ ነይሩ፣ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ ግን በይኖም ነቲ ሓደገኛ በረኻ ኺሰግሩ ጕዕዞ ጀመሩ፣ ዚብላዕን ዚስተን ኣይነበሮምን፣

ኣብ መንጎኡ እቲ ኣካብ ግብሪ (ተጋዊ) ምስ ወተሃደራቱ ናብ ደምበ (መዓስከር) ብላታ ገብሩ ተጸዊዑ ኸደ፣ እቶም ኣብ ጥቓ ገለብ ኣብ ዱር ተሓቢኦም ዝነበሩ ናብ ገለብ ጎይዮም ኣብ ክልተ ኣእዱግ መግብን ክዳውንትን ጸዓኑ፣ በቲ በረኻ ኣቢሎም ከኣ ናብ እምኩሉ ገስገሱ፣ ነቶም ኣቐዲሞም ዝኸዱ ኪቕድምዎም ሓለኑ፣ ሰጊድን እቶም ኣወዳትን ግን ቀዲሞም ብዙሕ መገዲ ከይዶም ነበሩ፣ እግዚኣብሄር ሓሊዎም። ኣንበሳን ካልኦት ኣራዊትን ካብ መገዶም ኣርሓቐሎም፣ እታ መራር ጸሓይን ዘንድድ ሑጻንውን ኣይጎድኦምን፣ ኣብቲ ምድረ-በዳ ጽላል ዚብሃል ኣይነበረን። ኣብኡ ዘላ ጸሓይ ቀንዲ ጸላኢት መንገደኛ እያ፣ ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ውሕጅ ኣብቲ ሩባታት ሃጓፍ ፈጢሩ ነበረ፣ ነቲ ሩባታት ምስጋሩ ኸኣ ሓደገኛ ኾነ፣ ኣብቲ ምድረ-በዳ ዚበቁል ኣሿኽ ቆጥቋጥ ጥራይ እዩ፣ ንኽዳውንቲ ኣጋር ስለ ዚውጥጥ ድማ ርእሶም ከገላግሉ ተሸገሩ፣

ጕዕዞኦም ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምስ ኮነ። መኣዝኖም ድማ ምስ ጠፍኦም ኣምላኽ ሓደ ሓገዝ ሰደደሎም፣ ብሃንደበት ክልተ ሰብኡት መጽዎም እሞ ዚበልዕዎ እንጌራ ሃብዎም፣ ክርቢትውን ሃብዎም፣ ክርቢት በቲ ግዜቲ ኣብቲ ከባቢ ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ፣ እቶም ክልተ ሰብኡት ኣብቲ ምድረ-በዳ ኣሰነይዎም፣ ክሳዕ ኣብቲ ቐንዲ መገዲ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ኣብጽሕዎም፣ ካብዚ ንንየው ብዘይ ጸገም ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም፣ እቶም ክልተ ሰብኡት ኣብቲ መገዲ እናተበራረዩ ንሓደ ካብቶም ነኣሽቱ ኣወዳት ዝሓመመ እሞ ምኻድ ዝሰኣነ ይስከምዎ ነበሩ፣ ኣብቲ ሸኽ ኣትካይ (ሸካት ቀይሕ) ዚብሃል ቀንዲ መገዲ ምስ በጽሑ። እቶም ክልተ ሰብኡት ሃንደበት ተሰወሩ፣ ናበይ ከም ዝኸዱ እቶም ኣወዳት ኣይረኣይዎምን፣ እቶም ኣወዳት ኣይደንጎዩን እምኩሉ በጽሑ፣ እምኩሉ ብሓቂ <ኣደ ዅሉ> እያ ነይራ። ስደተኛታትን ስኡናትን ተኣኪቦሙላ ጸንሑ፣

ዳዊትን ተወልደን ግን ኣብቲ ዱር ክልተ መዓልታት ተሓብኡ፣ ሓደ ኣስላማይ ምእንትኦም መጸ፣ ጸባ። ሓሩጭ። ንእሽቶ ሓርብን ቅጫ ምእንቲ ኺስንክቱ ሓዊ መእጎዲ ዝኾኖም ዕንጸይትን ከኣ ሃቦም፣ እቶም ደቂ እቲ ኸባቢ ነዚ ነገርዚ ንምድላው ንፉዓት ነበሩ፣ ኣብቲ ሓርቢ ብሒቚን ማይን ይለውሱ። ከቢብ እምኒ ኽሳዕ ዚረስን ኣብቲ ሓዊ ይስኽትትዎ። ነቲ ብሑቕ ኣብኡ ይዝርግሕዎ። ኣብቲ ጓህሪ ኸኣ የንብርዎ፣ ብኸምዚ እቲ ቅጫ ዅለንተንኡ ይበስል፣ እዚ <ብርኩታ> ይብሃል፣ ንኽልተ ቝራጻት ዕንጸይቲ ሰርሲሮም ነቲ ሓዊ የንክስዎ፣

እቲ መገዲ ኻብ ከተርቲ ናጻ ይኸውንዩ ምስ በሉ ኸኣ ተቐላጢፎም ጕዕዞ ናብ ምጽዋዕ ጀመሩ፣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እዩ ዝነበረ፣ ብለይቲ ኣራዊት ምእንቲ ኸይመጽዎም እናተበራረዩ ሓዊ የጉህሩ፣ ሓደ ለይቲ ተወልደ እናሓለወ እንከሎ። ሓደ ዓቢ ኸውሒ ዚመስል ነገር ኣስተብሃለ፣ ሃንደበት ግን ዚንቀሳቐስ ኮነ፣ ተወልደ ናብቲ ደቂሱ ዝነበረ ዳዊት ኣእወየ፣ ዳዊት። ሓርማዝ እዩ ዚኸውን በለ፣ ቅድሚ ሽዑ ተወልደ ኸምኡ ዝበለ ብግዝፉ ዘፍርህ እንስሳ ርእዩ ኣይፈልጥን እዩ፣ ብስንባደ ኸኣ ክልቲኦም እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ጎየዩ፣ ደኺሞምን ጠምዮምን ስለ ዝነበሩ ቐልጢፎም ሓይሎም ወድኡ፣ እግዚኣብሄር ግን ካብ ሓደጋ ምድረ-በዳ ሰወሮም፣ ነቲ ህሮርማ ጸሓይውን ኪጾርዎ ኣኽኣሎም፣ መወዳእታኡ ኣብ ቀጽሪ እምኩሉ በጺሑ፣ ዚስተ ማይ ተዋሂቦም። ነቲ ዅሉ ዝሓለፍዎ መከራ ኸኣ ኪርስዕዎ ኸኣሉ፣

ኣብ እምኩሉ ኸም ብሓድሽ ኵሉ ሰብ ስለ ዝተራኸበ እዚ ዘይብሃል ምስጋና ኾነ፣ ዳዊትን ተወልደን ከኣ ሓድሽ ኪዳን ናይ ምትርጓም ዕዮኦም ቀጸሉ፣ እተን ቀንዲ ኣርባዕተ ወንጌላት። ግብረ ሃዋርያትን ሮሜን እየን ነይረን፣ እዚ መጀመርያ ነይሩ፣ እቲ ዕዮ ዳሕራይ ቀጺሉ። ብዙሕ ሳዕ ተኣሪሙ፣ መወዳእታኡ ኸኣ ብዳዊትን ተወልደን ተሓጊዙ ቀሺ ሮደን ወድኦን ኣሕተሞን፣ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ጥቕሚ ህዝቢ ትግረን ከኣ ኮነ፣

 

ጉዕዞ ናብ ሽወደን

እቶም ደቂ ሽወደን ሚስዮናውያን ኣቐዲሞም ንገለ መንእሰያት ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ሽወደን ሰዲዶም ነይሮም፣ እንዳ ካርልሶን እተባህሉ ቤተሰብ ንዕረፍቲ ናብ ሽወደን ኪምለሱ እንከሎከኣ። ተወልደ ኣሰንይዎም ኪኸይድ ተወሰነ፣ ንምፍላጥ ቋንቋታት ፍሉይ ተውህቦ ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ ነበረ፣ ኣብቲ ናይ ሽወደን መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ዮሃንሉንድ ኪምሃር ዕድል እንተ ደኣ ረኺቡ ከኣ ንዕዮ ምትርጓም ዓቢ ኣገልግሎት ከም ዚገብር ተስፋ ተነብረሉ፣

ተወልደ ናብ ሽወደን ኪኸይድ ምስ ተፈቕደሉ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ፣ ናብቲ ጫፍ ሰሜን ጕዕዞ ምስ ገበረ። ብዙሕ ኣደናቒ ተሞኩሮታት ረኸበ፣ ንሱ ንእሽቶን ብምዕራባዊ ባህሊ ምንም ዘይተበረዘን እዩ ነይሩ፣ ብዙሓት ሓደስቲ ነገራት ኣደንጸውዎ። ዚሓልም ኮይኑ ኸኣ ይስምዖ ነበረ፣ ኵሉ ነገር ጋሻን ድቦላን እዩ ነይሩ፣ ናብ ቀልቡ ኽሳዕ ዚምለስን ኣብቲ ሓድሽ ከባቢ ኽሳዕ ወዲ ዓዲ ዚኸውንን ከኣ ገለ ግዜ ወሰደሉ፣ ነቲ ቖራሪ ሓጋይውን ኪለምዶ ነይርዎ፣ ቀልጢፉ ግን ንቛንቋ ሽወደን ኣጽንዖ። ብብቕዓትን ብላዛን ከኣ ይዛረቦ ነበረ፣

ኣብቲ ሚስዮናዊ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፎ ግዜ ስምዒት ዚቕስቅስ ሕጉስ እዋን እዩ ነይሩ፣ ዳሕራይ ኪዝክሮ እንከሎ ብሓጎስ የዘንትዎ ነበረ፣ ዛንታ ናይ ምንጋር ፍሉይ ተውህቦ ነበሮ፣ እዚ ተውህቦኡዚ ኣብቲ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሽወደን እናዞረ ዚህቦ ዝነበረ ስብከታት ኣጸቢቑ ይጥቀመሉ ነበረ፣ በቲ ሕስን ሕጉስን ባህርዩ ቐልጢፉ ንልቢ ዅሉ ሰብ ማረኸ፣ ኣብ መሬት ሽወደን ካብ ዝኣተወሉ ሰዓት ከኣ ፍቕርን ለውሃትን እቶም ሚስዮናውያን ብጾቱ ረኸበ፣ ንእኡ ብምርኣይ እቲ ንምድሪ ሓበሻ ዝነበሮም ጸሎትን ተገዳስነትን ፍረ ኸም ዝፈረየ ተረድኡ፣

እቲ ቤት ትምህርቲ ይምስጦ ነበረ፣ ምስኡ ኣብ ዮሃንሉንድ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ነይሮም፣ ገለ ኻብዚኣቶምውን ደቂ ዓዱ እዮም። ማርቆስ ግርማይ። ሃይለሚካኤል ኪዳኑን ናትናኤል ጂጎን፣ እንሓንሳእ ካልኦት ተመሃሮ ኺሰብኩን ከገልግሉን እንከሎ የሰንዮም ነበረ፣ ሓደ ምሸት ኣብ ድሮትኒንግሆልም ዚብሃል ህንጻ ናይ ጸሎት ግዜ ነበሮም፣ ተወልደ ብዛዕባ ዓዱ ኺዛረብ ተዓደመ፣ ሽዑ ኻብ ዝመጽእ ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ፣ ንቛንቋ ሽወደንውን ብዙሕ ኣይመለኾን። ብዙሓት ካብቶም ህዝቢውን ኣይፈልጦምን ነበረ፣

ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ውሩያት ሰብኡትን ኣንስትን ንቓል እግዚኣብሄርን ዛንታ ተወልደን ኪሰምዑ መጹ፣ ሓንቲ ኻብተን ኣንስቲ ምስ ተንስኤት። ኵሉ እቲ ህዝቢውን ተንስአ፣ ተወልደ ኸኣ ኪወጹ ዝደለዩ መሲልዎ ኻብ ኮፍ መበሊኡ ብድድ በለ፣ እታ መጀመርያ ዝተንሰአት ሰበይቲ ናብኡ ቐሪባ ኢዱ ሓዘቶ። <ሓደ መዓልቲ ናብ ገዛይ ምጻእ ኢኻ> ኢላ ዓደመቶ፣ ተወልደ ግን። <ክመጽእ እየ። ግን ገዛኺ ኣበይ ምዃኑ ኣይፈልጦን እየ> በላ፣ ኣብ ጎኑ ዝነበረ ብጻዩ ኸኣ ንተወልደ ብኽዳኑ እናወጠጠ ምልክት ይህቦ ነበረ፣ እታ ሰበይቲ ፍሽኽ እናበለት። <ደሓን እዞም ብጾትካ ገዛይ ይፈልጥዎ እዮም> ኢላ ኣመተትሉ፣ ጸኒሑ ተወልደ እታ ዝተዛረበቶ ሰበይቲ ንግስቲ ሶፍያ ምዃና ፈለጠ፣ መን ምዃና ኣቐዲሙ ብዘይምፍላጡ ኸኣ ጎሃየ፣  

ሓደ መዓልቲ ኻብ ዓዱ ደብዳበ መጸቶ፣ እታ ደብዳበ ናይ ሓ ሞት እተርድእ እያ ነይራ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ሽወደን ምንባሩውን ኣይዘከሮን፣ ጸጕሩ እናነጸየ ኣእወየ፣ ኵሎም እቶም ተመሃሮ። መምህራን። ቤተሰቦምን እተን ኣብ ክሽነ ዚሰርሓ ደቂ ኣንስትዮን እንታይ ተረኽበ ኢሎም እናጎየዩ ወጹ፣ ሃንደበትዶ ተወልደ ተጸሊሉ? ኢሎም ሰንበዱ፣ ኣይኮነን። እቲ ንሱ ዝገበሮስ እቲ ናይ ሓቂ ወዲ ሓበሻ ቐረብኡ ሰብ ምስ ዚሞቶ ጓሂኡ ዚገልጸሉ መገዲ እዩ፣

ኣብ ዮሃንሉንድ ዝነበረ ናይ ኣመሃህራ ቛንቋ ኣገባብ <ማስተር ሲስተም> ዚብሃል እዩ ነይሩ፣ ተወልደ በዚ መገድዚ እዩ ቛንቋ ጥልያን ተማሂሩ፣ ኣብቲ ግዜዚ ደብዳበ ኸምጽእ ናብቲ ናይ ሚስዮን ቤት ጽሕፈት ከደ፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ <ማስተር ሳሙኤል> ዚብሃል ጎደና እዩ ዚርከብ፣ ተወልደ ነቲ መገዲ ገና ኣየጽነዖን ነበረ፣ ጎደናታት እናፈተሸ ኸኣ ኪኸይድ ጀመረ፣ ኣብ መወዳእትኡ ሓደ ፖሊስ ረኸበ፣ ነቲ ፖሊስ ከኣ <ማስተር ሲስተም> ዚብሃል ጎደና ኣበይ እዩ ኢሉ ሓተቶ፣ እቲ ስም ጎደና <ማስተር ሳሙኤል> ምዃኑ ፈጺሙ ረሲዕዎ እዩ፣ እቲ ፖሊስ ካበይ ከም ዝመጸን ናበይ ከም ዚኸይድን ሓተቶ፣ ምስ ነገሮ ኸኣ ናብቲ ዝደለዮ ኣድራሻ መርሖ፣

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሽወደን ካብ ጉተንበርግ ንሰሜን ሓደ ማርስትራንድ ዚብሃል መዘናግዒ ገማግም ባሕሪ ኣሎ፣ ተወልደ ሓደ መዓልቲ ምስቲ ሓለቕኡን ከም ኣቡኡን ዓርኩን ዝኾነ ቐሺ ኒንደር ናብቲ ቦታ ኸደ፣ ቀሺ ኒንደር ኣብቲ ቦታ ስብከት ከቕርብ እዩ፣ ተወልደ ብድሕሪ እቲ መድረኽ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፣ እቲ ስብከት ኪጅምር እንከሎ ገለ ሰብኡት ናብቲ ኣዳራሽ ኣተ፣ ኵሉ እቲ ኣኼባ ተንሲኡ ኽሳዕ እቶም ኣጋይሽ ኣብ መንበሮም ኮፍ ዚብሉ ተጸበየ፣ እቶም ኣጋይሽ ኣብ ጥቓ ተወልደ ኾፍ በሉ፣ ተወልደ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ከም ዘይብሎም ኣስተብሃለ፣ ስለዚ ኸኣ ተንሲኡ እታ ናቱ ሃቦም፣ ድሕሪቲ ስብከት እቶም ሰብኡት ተንስኡ። ክሳዕ ዚኸዱ ኸኣ እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ኣፋነዎም፣ ተወልደ በዚ ተገረመ፣ ኣብቲ ደገ ኸኣ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ናይ ቤተ መንግስቲ መዝሙር ይዝምር ነበረ፣ ሽዑ ተወልደ እቲ ኣብ ጎኑ ኾፍ ኢሉ ዝነበረ እሞ ካብ ናይ መዝሙር መጽሓፉ ዝዘመረ ሰብ ዳግማዊ ንጉስ ኦስካር ምዃኑ ተረድአ፣

ኣብቲ <መጽሓፍ ዛንታ> ዚብሃል መዝገብ ተወልደ ብዛዕባ ናይ ህይወቱ ዕቤትውን ይጽሕፍ ነይሩ፣ ብ8 መጋቢት 1886 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ። <እመን ጥራይ>። መሊሱ ኽኣ። <ርእስኻ ቕበጽ። ሽዑ ናይቲ ክቡር የሱስ ሰላም ኪበዝሓልካ እዩ>፣ ብጻዩ ሃይለሚካኤል ናብ ዓዲ ምስ ተመልሰ። ተወልደውን ዓዱ ኺናፍቕ ጀመረ፣ ብ29 ጥቅምቲ 1886 ኣብ ናይ <መጽሓፍ ዛንታ> መዝገብ ኣብ ዝጸሓፎ መዘክር። <ኣብቲ ናይ ምሸት ጽምዋ እቲ ልኡም ድምጺ ጎይታ ኸምዚ እናበለ ሕሹኽ ይብለኒ። ተፍቅረኒዶ ኢኻ?> ይብል፣ ጸኒሑ ናብ ዓዱ ኺምለስ ግድኡ በጽሐ፣ ኣብ <መጽሓፍ ዛንታ> ዝጸሓፋ እታ ናይ መወዳእታ መዘክር ብ15 መጋቢት 1887 ዝተጻሕፈት እያ፣ ከምዚ ኸኣ ትብል። <ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራህ>፣

ብ7 መስከረም ናይቲ ዓመትቲ ኸኣ ኣብ ዓዱ ኸገልግል ርእሱ ወፈየ፣ ንዓርኩ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ። <ካብ ዝፈትዎም ሰባት ክፈላለ ከመይ መሪር እዩ። ምፍልላይና ምናልባት ንሓዋሩ ኪኸውን ይኽእል፣ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዚፈልጥ፣ ሓደ ነገር ግን እፈልጥ። ሕጂ ገጸይ ናብቲ ዝፈትዎ ዓደይ ኣቕኒዐ ኣሎኹ>፣

Pastor Tewolde-Medhin Gebre-Medhin (1860-1930), a leading light in the history of the ECE. Here with his family. (source: Kenisha by Karl Johan Lundstrom/Ezra Gebremedhin

 

 

 

ኣብ ዓዱ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽን ሚስዮንን

ተወልደ ዅሉ ግዜ ምስ ምድሩ ፍቕሪ ነበሮ፣ ኵሉ ሳዕ ናይ ሓቂ ሓበሻ እዩ፣ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ። ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ዚህቦ ዕዮ ብናፍቖት ተጸበየ፣ ነቶም ንነዊሕ እዋን ዝተፈልዮም ኣዲኡ። ሓብቱ ኣምላ። ካልኦት ኣዝማዱን ኣዕሩኹን ኪርእዮም ኣዝዩ ተሃወኸ፣

ነቶም ኣብ ዮሃንሉንድ ዝነበሩ መምህራኑ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ። ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ብምውራድ ሓመድ ዓዱ ምስ ረገጸ ዝተሰምዖ ስምዒት ኪግለጽ ዘይከኣል ከም ዝነበረ ሓበሮም፣ ብዙሕ ናይ ቍልዕነቱ ተዘክሮታት ተራእዮ። ነቲ በረኽቲ ኣኽራናት ዓዱ ምስ ረኣየ ኸኣ ልቡ ሰፍሐ፣ ካብ ኣዲኡን ዓዱን ኣብ ዝተፈልየሉ ዓመታት ዝረኣዮ ናይ እግዚኣብሄር እሙንነትን ኣባታዊ ሓልዮትን ዘኪሩ ንብዓት ቋጸረ፣ ነዲኡ ኸይረኣያ ግን ክልተ ዓመታት ሓለፈ፣

ኣብተን ዘይነበረለን ኣርባዕተ ዓመታት በቲ ኣብ ናይ ምጽዋዕ ወደብን ኣብቲ ናይ እምኩሉ ናይ ሚስዮን ቦታን ዝኾነ ለውጢ ተገረመ፣ ናብቲ መካነ-መቓብር ከይዱ ኸኣ ኣብ መቓብር ገብረኣምላኽ ሓ ኣልቀሰ፣

እቲ ናይ ተወልደ ዝዓሞቐ ባህጊ ኣብ ዓዱ መንፈሳዊ ዕዮ ምጅማር እዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብታ ናይ ኣቦኡ መደበር ዝነበረት ጸዓዘጋ፣ ምስ መጸ ግን ቅዱስ ጽሑፋት ንምትርጓምን ኣብ ማእከል ናይ ሕርጊጎ ህዝቢ ብርሃን ወንጌል ንምዝርጋሕን መሳርሕቲ ቐሺ ሮደን ኮይኑ እዩ ተመዲቡ፣ ኣብቲ ቦታ ኸኣ ብሉጽን ሕጉስን ዓያዪ ኾነ፣ ዳዊት ናብዚ ቦታ ኪኸይድ ኣይከኣለን፣ ዓሌት ዳዊትን እቶም ኣብ ሕርጊጎ ዝነበሩ ዓሌትን ናይ ደም ጽልኢ ስለ ዝነበሮም። ዳዊት ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ፈርሆም፣ ስለዚ ኸኣ ተወልደ ነባሪ ሕርጊጎ ኾነ፣ ኣብዚ ቦታ ቐሺ ሮደንን ብዓልቲ ቤቶምን ናይ መጀመርያ ንእሽቶ ቤቶም መስሪቶም ነበሩ፣

እዚ መደበርዚ ብ1887 እዩ ተጀሚሩ፣ ጥቓ እቲ ሓድሽ ናይ ጣልያን ዕርዲ እዩ ነይሩ፣ ሕርጊጎ ኣስታት ትሽዓተ ሽሕ ትግረ ዚዛረቡ ተቐማጦ ነበርዋ፣ ኣብ መንጎ እዚኣቶም እምበኣር ስድራ ቤት ሮደንን ተወልደን ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍልጠትን ናይ የሱስ ክርስቶስ ምድሓንን ኪዝርግሑ ይጽዕሩ ነበሩ፣ ኣብ ሕርጊጎ። ተወልደ ብቛንቋ ትግረ እታ ቐዳመይቲ ናይ ፊደልን ንባብን መጽሓፍ ኣዳለወ፣ ነታ ኣመቱ ስማ ንእሽቶ መርዓቱ ኸኣ ብሕዳር 1888 ናብቲ ቦታ ኣምጸኣ፣

እንዳ ሮደን ኣብ ሕርጊጎ እንከሎ ብዙሕ ግዜ ደቂ መንሳዕ ኪበጽሕዎም ይመጹ ነበሩ፣ ተወልደ ኸኣ ንገሊኣቶም ኣብ ገለብ ተመሃራይ እንከሎ ስለ ዝፈልጦም ኣለለዮም፣ ንሳቶም ነቲ <ኣምላኽ ምስኡ ዝነበረ> ሰብኣይ ንሄደንስትሮም ከም ዚናፍቕዎ ይዛረቡ ነበሩ፣ ሓደ መዓልቲ እቲ ኣብ ናይ ኢጣልያውያን ዕርዲ ዝነበረ ናይ ጥይት መኽዘን ተቓጸለ፣ ግን እግዚኣብሄር ሓልይዎም። ሓደኳ ኣይተጎድአን፣

 

ምምላስ ናብ ገለብ

ኢጣልያውያን ንከበሳ ምስ ተቖጻጸርዎ ድሕሪ ሓደ ዓመት። መገዲ ገለብን መንሳዕን ከም ብሓድሽ ተኸፍተ፣ ኣብ ገለብ ድማ እቲ ናይ ሚስዮን ኣባይቲ ኻልኣይ ግዜ ተሃንጸ፣ ተወልደ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ናብ ገለብ ኣምርሐ፣ ንሱን ዳዊትን ካብ ገለብ ካብ ዝሃድሙ ዓሰርተ ዓመታት ኮይኑ እዩ፣ ኣብቲ ናይ ገለብ መንፈሳዊ ዕዮኡ ኸኣ ምስ ዳዊት ኣማኑኤል ብሓባር ኪዓዩ ጀመሩ፣ ዳዊት ንሓንቲ መኣዛ ስማ ዘመድ ተወልደ ተመርዕዩ ነበረ፣

ኣብቲ ናይ እምኩሉ ቤት ማሕተም ሚስዮን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ኪሕተሙ ጀመሩ፣ ንጉሆ ንጉሆ ተወልደ ብመልክዕ ሕቶን መልስን ዝቐረበ ናይ ሉተር ጽሑፋት ይትርጉም ነበረ፣ ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኹን መድሓኒኡን ንሰባት ኪምስክር ይወጽእ፣ እቶም ዚምስክረሎም ነቲ ቓላቱ ኸም ዕሽነት ይሓስብዎ ነበሩ፣ ስድራቤት ሮደን ናብ ገለብ ምስ መጹ እቲ ዕዮ መሊሱ ዓበየ፣

ተወልደ ካብ ሽወደን ምስ ተመልሰ። ንገለ ኻብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘጥረዮ ናይ ምቾት ልማዳት ኪገድፎ ነይርዎ፣ ምኽንያቱ ኣብ ዓዲ ዝነበረ መነባብሮ መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ዝሓዘ እዩ፣ ብዙሕ ከይጸንሐ ንጓል ቀሺ ዘራጽዮን ሙሴ ዝኾነት ኣመቱ ተመርዓወ፣ እዚ ብ1888 ኮነ፣ ንሳ ኣብ እምኩሉ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ተኸታቲላ ነይራ፣ ናብራ ሽወደን ግን ዘይትፈልጥ ስለ ዝኾነት ንድሌታት ተወልደ ኸተማልእ ቀሊል ኣይነበረን፣ ናብ ቤተ-ክርስትያን ኪኸዱ እንከሎ። ንሱ ምስኡ ኣብ ጎኑ ኺትከይድ ይደልያ። ንሳ ግን ትሓፍርሞ ደድሕሪኡ ትኸይድ፣ በይኖም እንተ ዘይኮይኖም ከኣ ኣፋ ኣይትኸፍትን፣ ኣብ መኣዲውን። ተወልደ ኣብ ጎኑ ኾፍ ኢላ ብፎርኬታ (ሻኳ) ኺትበልዕ ይደሊ፣ ኣመቱ ግን ኣብቲ ጥቓ ሞሶብ ኣብ ድኳ ኾፍ ኢላ ኻብቲ ጻሕሊ እናጸብሓትሉ ብኣእዳዋ ኺትበልዕ ትመርጽ፣ እዚ ኣገባብ ኣንስቲ ሓበሻ እዩ፣ ኣመቱ እቲ ተወልደ ዚደልዮ ምግባር ኣበየት፣ ንሱ ኸኣ ብሓርቖት በትሪ ወስ በላ፣ ንሳ ድማ ናብቲ ጫካ ሃደመት፣ ምሉእ መዓልቲ ተሓቢኣ ወዓለት፣ እቶም ኣብቲ መደበር ሚስዮን ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ኪደልይዋ ወዓሉ፣ ምሸት ባዕላ ናብ ገዝኣ ተመልሰት፣ ምስ መሰየ ኣብቲ በረኻ በይንኻ ምዃን ሓደገኛ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣንበሳን ነብርን ዚበልዕዎ ደልዮም ይኾሉ እዮም፣ ተወልደ ንሰበይቱ ኸም ባህርያ ኪኸዳ ኸም ዘሎዎ ተረድአ፣ እዚ ኸኣ ንኽልቲኦም ዘቃዱ ኾነ፣

ቀስ እናበለት ግን ኣመቱ ኸምቲ ተወልደ ዚምነዮ ኣገባብ ኪትገብር ጀመረት፣ ቤቶም ከኣ ካብ ናይ ካልኦት ደቂ ዓዲ ዝጠዓመት ኮነት፣ በብቑሩብ ተወልደ ንቤቱ ዚኾኑ መናብር። ጣውላ። ንመጻሕፍቱ ዚኾኑ ከብሕታት። ፋኑስን ካልኦት ብዙሓት ነገራትን ኣጥረየ፣ ገሊኦም ካብ ናይ ዕንጸይቲ ሳናዱቕ ዝተሰርሑ ተራ ነገራት እዮም ነይሮም፣ ኣመቱ ግን ብውሕልነት ትጥቀመሎም ነበረት፣ ዳዊትውን ንቤቱ ብዙሕ ኣቕሑ ኣጥረየ፣ ነቶም ኣብ ገለብ ዝነበሩ ወንጌላውያን ኣመንቲ ኣብ ኣባይቶም ምብጻሕ ዘሐጉስ እዩ ነይሩ፣ ኣባይቶም ጽፉፍን ስሩዕን እዩ፣ እተን ኣንስቲ ኸኣ ጽሩያትን ጽቡቕ ዚኽደናን እየን፣ ከምዚ ኢለንውን ንወይዘሮ ሮደን ይበጽሓኣ ነበራ፣

ሓደ መዓልቲ ተወልደ ወንጌል ኪሰብኽ ናብ ሓንቲ ኻብተን ኣብቲ ኸባቢ ዘሎዋ ቝሸታት ከደ፣ ካብቶም ናይ ትምህርቲ ሰንበት ዓበይቲ ተመሃሮ ኸኣ ሓደ መሪሕዎ ኸደ፣ ከይመሰየ ኺምለሱ መደቡ፣ ግናኸ ዝናብ ዓገቶም፣ ዝናብ ምስ ኣቋረጸ። ተወልደ ናብቲ ጎዶቦ ዓዲ ኸይዱ ኺሓድር ሓሰበ፣ ግናኸ እታ ለቖትኦም ጥራያ እያ ነይራ፣ ስለዚ ኸኣ ተወልደ ንድራሮም ዚኾኖም ሃድን ኪሃድን ፈተነ፣ ምጭማት ዘይክእል ስለ ዝነበረ ግን ሹድሽተ ግዜ ተኩሱ ኣይኮነሉን፣ ተስፋ ኸኣ ቆረጸ። እቲ ወዲ ግን መሊሱ ኺፍትን መዓዶ፣ ተወልደ። እቲ መትሓዝ ጥይት ዝናር ስለ ዝተወድአ ዕድል ኣይገበርናን በለ፣ እቲ ወዲ ግን ካልእ ፈተነ ኺገብር ተማሕጸኖ፣ መሊሶም ከኣ ዓቢ መጓሰ ዛግራ ረኸቡ፣ ተወልደ ኸም ብሓድሽ ፈተነ እሞ ብሓንቲ ጨመተ ኽልተ ዛግራ ቐተለ፣ ንድሕሪኡ ግልጽ እንተ በለ እቲ ወዲ ኢዱ ኣልዒሉ ንሰማይ ገጹ ኣንቃዕሪሩ ጸንሖ፣ ተወልደ ድማ <እንታይ ደኣ ትገብር ኣሎኻ?> በሎ፣ እቲ ወዲ <ክጽሊ እየ ጸኒሐ> በለ፣ <እንታይ ኢልካ ደኣ ጸሊኻ?> ኢሉ ሓተቶ፣ < ጎይታ የሱስ ድራርና ሃበና ኢለ ጸልየ> በለ እቲ ወዲ፣

እዚ ፍጻመዚ ንእምነት ተወልደ ኣበራበሮ፣ ኣብታ ቝሸት ምስ በጽሑ። ተወልደ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ እንጌራ ህይወት ነገሮም፣ ድኻምን ሻቕሎትን ኣይተሰምዖን፣ ኣብ ዙርያ ዚነድድ ሓዊ ኸቢቦም። ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ናይ ህይወት ጭንቂ እግዚኣብሄር ንደቁ ዘሎዎ ሓልዮት መሃሮም፣

ተወልደ ኣርባዕተ ደቂ ነይሮሞ፣ ንሳቶም ይስሃቅ። ርግቡ። ኤልሳቤጥን ኤፍሬምን ይብሃሉ፣ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባቲ ኣብ ናይ ቆልዑ መጽሄት ዘንበቦ የዘንትወሎም። እቲ ስእልታት ድማ ይገልጸሎም፣ መጽሄት ብፖስጣ ኻብ ሽወደን ይመጾ ነበረ፣ ነቶም ቆልዑ ዅሉ ነገር ትንግርቲ እዩ፣ ዓበይቲ ኣባይቲ። ባቡራት። ጽቡቕ ዝተኸድኑ ቖልዑ ሽወደን። ውርጭን በረድን ርእዮም ኣይፈልጡንዮም፣ ከምኡ ድማ ኣእጋር ፈረስ ዚመስል ናይ ሓጺን ሳእንታት ገይሮም ኣብ ማይ ዚገùዓዙ ህዝቢ ኣይለመዱን፣ ነዞም ቆልዑ ዅሉ ትርኢት ጋሻ ነገር እዩ፣ ተወልደ ግን ጽቡቕ ጌርካ ንሰብ ንምርዳእ ኣዝዩ ኽኢላ ነበረ፣

ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ንቖልዑ ኺሕል ኻብ ኣምላኽ ዚለኣኹ መላእኽቲ ኣንበበ፣ እዞም መላእኽቲ እቶም ቆልዑ ሰናይ እንተ ገበሩ ዚሕጎሱ። እቶም ቆልዑ ኽፉእ እንተ ገበሩ ኸኣ ዚነብዑ እዮም፣ ተወልደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እዚ ዛንታ ኣዘንተዎ፣ ድሕሪ ገለ ግዜ ጓሉ ኤልሳቤጥ ኣብ ትምህርቲ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጸአት እሞ። <ንፍዕቲ ጓል ኢኺ> በላ፣ ንሳ ኸኣ እናሰሓቐት። <ኣቦይ እሞ ሕጂ እቶም መላእኽቲ ተሓጉሶምዶ?> በለቶ፣

ኣብቲ ግዜቲ ተወልደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣወዳት ገለብ ይምህር ነበረ፣ ንጉሆ ንግሆ ስርሑ ምምሃር ነበረ፣ ድሕሪ ቐትሪ ከኣ ምስ ቀሺ ሮደን። ዳዊትን ብዙሓት ካልኦትን ሓድሽ ኪዳን ናብ ትግረ ይትርጉም፣ ተወልደ ነቶም ዝፈልጦም ብዙሓት ቋንቋታት ኣብ ዕዮኡ ይጥቀመሎም ነበረ፣ ኵሉ ሳዕ ከኣ ፍልጠት ኪድልብ ይጽዕር ስለ ዝነበረ። ብዙሓት ቋንቋታት ኪዛረብን ከንብብን ከኣለ፣

ኣመቱ ንፍዕቲ ናይ ገዛ ሰበይቲ እያ ዝነበረት፣ በታ ኻብ ሃስኳርና ሽወደን ዝመጸት ሰፋይት መኪና ኽዳን ደቃ ትሰፊ፣ ወሓለ ሰራሒት ጸብሒ ኸኣ እያ፣ ጥዑም እንጌራ ትስንክት እሞ። ቃተኛ ትሰርሕ፣ እዚ ንጉሆ ገዝኣ እንተ ኸድካ እትቕርበልካ ዘወናውን መስተንግዶ እዩ፣ ጓሳ ጸባ ሒዙ እንተ መጸ ጠስሚ ምእንቲ ኸተውጽእ ናብ ዓቢ መሕቆኒ ትግልብጦ፣ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ኸኣ ትኽልሶ፣

ሓደ ምሸት ተወልደን ኣመቱን ድራሮም ይበልዑ ነበሩ፣ ኣብቲ ጣውላ ድማ መብራህቲ ትበርህ፣ እቶም ኣርባዕተ ደቆም ከኣ ኣብቲ ጥቓ ኣፍደገ ኣብ ዙርያ ሞሶብ ኣብ ዱኳ ኾፍ ኢሎም ነበሩ፣ ወርሒውን ደሚቓ ተብርህ ነበረት፣ እናሰሓቑ ኸኣ ይበልዑ፣ ሃንደበት እታ ንእሽቶ ጻዕዳ ድሙኦም እናጎየየት ኣተወት፣ ብትሕቲ እቲ ተወልደን ኣመቱን ዚበልዑሉ ዝነበሩ ጣውላ ሓሊፋ ትሕቲ ዓራት ተሓብአት፣ ድሕሪዚ ሓደ ዓቢ ነብሪ ኣተወ፣ እተን ዝሓንሓና ኣዒንቱ ነቶም ቆልዑ ኸይረኣያ። ነታ ዝሃደመት ድሙ የናድያ ነበራ፣ እቲ ነብሪ ትሕቲ ዓራት ኣተወ። ነታ ድሙ ኸኣ ዓትዓታ። ነቶም ቆልዑ ረጊጹ ኸኣ በታ ዝመጻ ወጸ፣ እቶም ቆልዑ ልክዕ ከምቶም ወለዶም ከይተንቀሳቐሱ ትንፋሶም ሓቢኦም ኮፍ ኢሎም ነበሩ፣ እቲ ነብሪ ምስታ ግዳዩ ድሙ ናብቲ ጸልማት ምስ ተሰወረ። ነፍስ-ወከፎም ካብቲ ምፍዛዞም ተበራበሩ፣ <መልኣኽ እግዚኣብሄር ምሳና ኾይኑ ተኸላኺሉልና> በለ ተወልደ፣ ስለዚ እዩ ኸኣ እቲ ነብሪ ነታ ድሙ እምበር ነቶም ቆልዑ ዘይረኣዮም፣ ኤልሳቤጥ ካብ ፍርሂ ዝተላዕለ ምሉእ ለይቲ ኺትበኪ ሓደረት። ኪትድቅስ ኣይከኣለትን፣ <ብእግሩ እኮ እዩ ረጊጹኒ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንቢሩ ስለ ዝሰወሮ እዩ ዘይረኣየኒ> በለት፣ ብሓቂ እዚ ናይቲ ተወልደ ብዙሕ ሳዕ ዘስተማቐሮ እሙንነትን ሓልዮትን እግዚኣብሄር ሓድሽ መረጋገጺ እዩ፣

ተወልደ ናብታ ዝዓበየላ ዓዱ ናብ ጸዓዘጋ ኪኸይድ እንከሎ ነቶም ቆልዑ ተማለኦም፣ ኣብ ቤት ኣትዮም። ኮፍ በሉ ምስ ተባህሉ። እቶም ቆልዑ ዙርያኦም እናረኣዩ ሕፍረት ሓዞም። <ኣብ ምንታይ ኮፍ ክንብል?> ኢሎም ሓተቱ፣ ኵሉ ሰብ በቲ ሕቶኦም ሰሓቐ፣ እቶም ቆልዑ ኣብ መንበር ኮፍ ምባል እዮም ለሚዶም። ኣብ ጸዓዘጋ ግን እቲ ኾፍ መበሊ ማእሲ ወይ ተንኮበት እዩ፣

ምሕላብ ኣብ እትብሃል ቍሸት። ዶክቶር (ሓኪም) ሳንድስትሮም ብምዱባት መዓልታት ሕሙማት ይቕበል ነበረ፣ ሓደ እዋን ግን ተኸልከለ፣ ኣብ ክንዳኡስ ተወልደ ኺሰብኽ ከደ፣ ስብከቱ ውድእ ምስ ኣበለ። ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል ዚኸውን ፈውሲ ደልዩ መጸ፣ እቲ ሰብኣይ ንተወልደ ኣምሪሩ ስለ ዝለመኖ። እቲ ዶክቶር (ሓኪም) እንተ ዚህሉ ኸም ቡርጋ ኺህቦ ይኽእልዩ ዝበሎ ፈውሲ ሃቦ፣ ጽንሕ ኢሉ እቲ ሰብኣይ ተመልሰ እሞ። እታ ጓል ነቲ ፈውሲ ምስ ወሰደት ኪትመውት ከም ዝቐረበት ነገሮ፣ ተወልደ ኣዝዩ ሰንበደ፣ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ኸኣ ነዛ ሰበይቲ ኣድሕና እናበለ ናብ ኣምላኽ ኣእወየ፣ ጥራይ ሕጂ እዛ ሰበይቲ ደሓን ትኹን እምበር። ድሕሪ ሕጂ ፈውሲ ዚበሃል ኣይህብን እየ በለ፣ እግዚኣብሄር ጸሎቱ ሰሚዑ እታ ሰበይቲ ሓውያ፣

The ordination of Tewolde-Medhin Gebre-Medhin in Asmara on new years day1909. From left Qeshi Zeratzion, Jonas Iwarson, Anders Svenson, Tewolde-Medhin Gebre-Medhin, Adolf Kolmodin (seated) Karl Winqvist, Olle Eriksson, and Marcos Girmay. (source: Kenisha by Karl Johan Lundstrom/Ezra Gebremedhin

 

 

ሓድሽ ኪዳን ተሓትመ   

ሓድሽ ኪዳን ትግረ ንሕትመት ምስ ተዳለወ። ስድራቤታት ሮደንን ተወልደን ናብ ከበሳ መጹ፣ ኣብ ግዜ ምእራም እቲ ጽሑፋት ከኣ ኣብ ኣስመራ ተቐመጡ፣

ብ1909 ሒደት መዓልታት ቅድሚ ሞት ዶክቶር ቪንኩቪስት ሓዲሽ ኪዳን ብትግርኛ ተሓተመ፣ ፕሮፌሶር ኮልሞዲን ናብ ኤርትራ ምስ መጸ ኸኣ ተወልደ ኣብታ ናይ ኣስመራ ቤተ-ክርስትያን ቀሺ ኾይኑ ተቐብአ፣ እቲ ቐዳማይ ብሚስዮናውያን ዝተቐብአ ናይ ሓበሻ ቐሺ ድማ ኮነ፣ ነቶም ኣብታ መዓልቲ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ ህዝቢ እታ መዓልቲ ፍልይትን ክብርትን ፍጻመ ነበረት፣ ናይ 1909 ናይ ሓድሽ ዓመት ቀዳመይቲ መዓልቲ እያ ኸኣ ነይራ፣    

ድሕሪ ሞት ዶክቶር ቪንኩቪስት ብ29 ታሕሳስ 1909 ተወልደ ናብ ሽወደን ሓንቲ ደብዳበ ጽሒፉ

<ብዛዕባ ቛንቋ ትግርኛን ትርጉማቱን ገለ ኽብል እደሊ፣ እቶም ኣርባዕተ ወንጌላት ክልተ ግዜ ተተርጉሞምን ተሓቲሞምን፣ እቲ ቐዳማይ ትርጉም ኣብ ትሕቲ ኣይዘንበርግ ብሓደ ማቴዎስ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ደብተራ እዩ ተገይሩ፣ ብ1866 ከኣ ተሓቲሙ፣ እቲ ኻልኣይ ትርጉም ብዶክቶር ቪንኩቪስት እናተመርሐ ብደቂ ዓድና ተኻይዱ፣ ብ1909 ከኣ ብቤት ማሕተም ሚስዮን ሽወደን ተሓቲሙ፣

<ብዛዕባዞም ትርጉማት ክንብሎ ዘሎና እንተሎ ዅሉ ነገር ኣብ መጀመርያኡ ኸቢድ ከም ዚመስል እዩ፣ ዶክቶር ቪንኩቪስትን ኣነን ኣብዚ ናይ መጨረሻ ትርጉም ዝነበረና ዕላማ እዚ ዚስዕብ እዩ። ብዚከኣል መጠን ነቲ መበቆላዊ ግሪኽ ናብ ላዛ ዘሎዎ ትግርኛ ምትርጓም እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ብኣሰራርዓ ቓላትን ምድላው ምሉእ ሓሳባትን እዩ፣ ብዘይካ ኽልተ ብቛንቋ ትግርኛን ጣልያንኛን ዝተዳለ ዘይምሉኣት መዝገበ ቓላት ክሳዕ ሎሚ ግቡእ ሰዋስው ወይ መዝገበ-ቃላት የብልናን፣ ስርዓት ከነልብሶ ኣሸጋሪ ኾይኑ ኣሎ። ክሳዕ ሎሚ ኣይተዓወትናን ዘሎና፣ እቶም ነቐፍቲ ብዛዕባናን ዕዮናን ድላዮም ይብሉ ይኾኑ፣ እቲ መንፈስ ሓቂ ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓና ናብ ኣምላኽ ጸሊና ኢና፣ ኣምላኽ ኣብ ዕዮና እሙናት ምዃን ጥራይ ከም ዚሓትት ተረዲእና ኣሎና፣ ኣሸጋሪ ዕማም እዩ ዘሎና። ግናኸ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ። ከም ተስፋኡ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ረዲኡና እዩ፣ ስለዚ ኸኣ ብምሉእ ልብና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ፣ ንሱ በይኑ እዩ ኽብሪ። ምስጋናን ውዳሴን ዚግብኦ!

<ሕጂ እምበኣር ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡ ኣብ ልሳንና ረኺብናዮ። ተዋሂቡና ኣሎ፣ እዚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ እዩ። ኣብ ኣዒንትና ኸኣ ግሩም እዩ፣ እቲ ናይ ወንጌል ማይ ብሑቝ ኣባናን ኣብ ምድርናን ዕዮኡ ኺገብር ኣምላኽ ፍቓዱ ይኹን>፣

ተወልደመድህን። 29 ታሕሳስ 1909

 

ተወልደን ቆልዑን   

ኣኼባ ኣብ ዚግበረሉ እዋን። ንቖልዑ ዚኸውን ፍሉይ መደብ ይዳሎ ነይሩ፣ ኣብኡ ነቶም ቆልዑ ዚዛረቦም ተወልደ እዩ፣ ሓደ እዋን ኣብ ከምዚ መደብ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ፍሕትሕት ኪብል ጸኒሑ ተንሲኡ ወጸ፣ ተወልደ ጸኒሑ ስለ ምንታይ ከም ዝወጸ ነቲ ወዲ ሓተቶ፣ ወዮ ወዲ። ኣብ ግራት ዘርኢ ዘሪኡ ኸም ዝነበረን ማይ ከስቲ ኸም ዝኸደን ገለጸ፣ (እቲ ሓቂ ግን እቲ ወዲ ኣብ ናይ ዕንባባ ባዞ ስገም እዩ ዘሪኡ ነይሩ፣) እቶም ካልኦት ቆልዑ ኣብ ዙርያኦም ደው ኢሎም ይጽበዩ ነበሩ፣ እቲ ወዲ ኺጻወት ኣኼባ ገዲፉ ስለ ዝኸደ መቕጻዕቱ እንታይ ከም ዚኸውን ኪሰምዑ ተሃንጥዮም ነበሩ፣

ተወልደ ምስላ ዘራኢ ኺነግሮም ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕመሉ፣ እቶም ኣቐዲሞም ብህድኣት ስብከቱ ዚሰምዑ ዝነበሩ ቖልዑ ሕጂ ዝያዳ ሃዲኦም፣ የሱስውን ምስላታት ይዛረብ ከም ዝነበረ ፈለጡ፣ ንሱ የሱስ ልክዕ ከም ኵልና እዩ በሎም፣ <ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ምስ ተኣከቡ። ኪዛረብ ኣይከኣለን፣ ምኽንያቱ ንዅሎም ኪርእዮም ስለ ዘይከኣለ፣ ስለዚ ናብ ጃልባ ደየበ። ካብቲ ገምገም ከኣ ቁሩብ ርሕቕ በለ፣ እቶም ህዝቢ ግን ኣብቲ ደንደስ ኮይኖም ይሰምዕዎ ነበሩ>፣

እዞም ቆልዑ ጃልባ ርእዮምዶ ይፈልጡ? ብዘይካ ኣብ ስእሊ ሓደኳ ኻብኣቶም ጃልባ ዝረኣየ ኣይነበሮምን፣ ስለዚ ተወልደ ጃልባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትቕዘፍ ገለጸሎም፣ እቶም ቆልዑ ዝያዳ ኺሰምዑ ደለዩ፣ ተወልደ ኸኣ ድሕሪ ቐትሪ ኸም ዚቕጽለሎም ተመባጸዐ፣ ተወልደ ይኹን እቶም ቆልዑ ነቲ መቕጻዕቲ ረሲዖምዎ፣ ተወልደ ኻብቶም ናይ የሱስ ምስላታት ብዙሕ ኪነግሮም እንከሎ ኣዝዮም ይሕጎሱ ነበሩ፣

ብዛዕባቲ ኣብዛ ዓለም ዝነበረ። ነዲኡ ዝሓለየላ። ንድኻታት ዚሕግዝ። ንእኩያት ሰባት ይቕረ ዚብል የሱስ ኪነግሮም እንከሎ ጽን ይብሉ ነበሩ፣ እዞም ቆልዑ ጥራይ ኣይኮኑን ነቲ ኣያ ዚብልዎ ተወልደ ዘፍቅርዎ ዝነበሩ፣ ኣብ ሽወደን እንከሎውን ተወልደ ብቖልዑ ኣዝዩ ፍቱው ነበረ፣

ሓደ ግዜ ተወልደ ኣብ ናይ ቫስተራስ ኣዳራሽ ሉተራዊት ሚስዮን ይሰብኽ ነበረ፣ እቲ ኣዳራሽ ብህዝቢ መሊኡ እዩ፣ እቶም ህዝቢ ሓደ ጸሊም ሰባኺ ብጽሩይ ቋንቋ ሽወደን ኪሰብኽ ኪሰምዕዎ ተሃወኹ፣ ካብቲ መድረኽ ምስ ወረደ ብሰንኪ እቶም ሰላም ኪብልዎ ዝደለዩ ህዝቢ ኺንቀሳቐስ ኣይከኣለን፣ ኣብ መንጎ ሓንቲ ቖልዓ ዋዕዋዕ ዚብል ድምጺ ኣስመዐት። <ከመይ ኣሎኹም ኣቦይ ተወልደ?> ትብል ነበረት፣ ተወልደውን ርእሱ ኣልዒሉ። <መን እዩ ብቛንቋይ ዚዛረብ ዘሎ?> እናበለ ኺደሊ ጀመረ፣ እታ ቖልዓ ጓል ሚስዮናውያን እያ ነይራ፣ ወለዳ ኻብ ኤርትራ ብኣቦይ ተወልደ ደሃይ ልኢኾም እንተ ኾኑ ኢላ እያ ትሓትት ነይራ፣ ምእንቲ ኸይርስዖ ኸኣ ናብ ዓዲ ምስ ተመልሰ ደሃይ ኪህበላ ኣብቲ መዘከሪ መጽሓፉ ሰላምታኣ ጸሓፈት፣ ክልቲኦም ትግርኛ ኺዛረቡ እንከሎ ዅሉ እቲ ህዝቢ ይዕዘቦም ነበረ፣

ተወልደ ናብ ሽወደን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተመልሰሉ ግዜ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብባቡር ይጕዓዝ ነይሩ፣ ኣብቲ ዝነበሮ ኽፍሊ ባቡር ከኣ ክልተ ሰባት ነይሮም፣ እዞም ሰባት እዚ ጸሊም ነቲ ዘረባና ኣይፈልጦንዩ ስለ ዝበሉ ዓው ኢሎም የላግጹሉ ነበሩ፣ ጸኒሑ ተወልደ በቲ ደስ ዘብል ፍሽኽታኡ ገጹ ናብኣቶም መለሰ፣ ከምዚ ኸኣ በሎም። <ኣቱም ክቡራት። ከይሰማዕኩኹም ክትጸርፉኒ እንተ ደኣ ደሊኹም። ሽወደንኛ። ጀርመን። እንግሊዝ። ጣልያንኛ። ግሪኽ። እብራይስጢ። ግእዝ። ኣምሓርኛ። ትግርኛ ወይ ዓረብ ኣይትጠቐሙ>፣

 

Rev. Tewolde Medhin Gebre Medhin in pastoral dress

እዚ ዅሉ ናይ ቋንቋታት ክእለቱ ነቲ ሚስዮናዊ ዕዮ ሃብቲ እዩ ዝነበረ፣ ኣብ ዓይኒ ናይ ምድሩ ኻህናትን ገዛእትንውን ክብረቱ ኽብ ኣበሎ፣

ኣብ ስቶክሆልም ሓንቲ ሰበይቲ ድራር ዓደመቶ፣ ፍሉይ ኣኽብሮት ከተርእዮ ኢላ ኸኣ ድሕሪ መግቢ ዚኸውን ፍሉይ ዓይነት ምቁር ሕብስቲ (ኬክ) ኣስርሓትሉ፣ እቲ ምቁር ሕብስቲ ኣብ ላዕሊኡ ብቸኮላታ ዝተሸፈነ ነበረ፣ እታ ሰበይቲ ሓደ መብርሂ ሃበት። <እዚ ሕብስቲዚ ነቲ ኣብ መንጎና ጸዓዱን ከደሮትን ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ዘመልክት እዩ> በለት፣ ተወልደ ኸኣ ብግዲኡ ነቲ ንከደሮት ዘመልክት ሕብሪ ብላዕሊ ስለ ዝገበረቶ ፍሉይ ምስጋና ኣቕረበላ፣

 

ተወልደ ኣብ መበቆል ዓዱ 

ተወልደ ንፉዕ ናይ ቤተሰብ ኣቦ እዩ ነይሩ፣ ንደቁን ደቂ ደቁን ኣዝዩ ዘፍቅርን ብዅሉ ሓይሉ ዚሓልን ነበረ፣ ክልቲኦም ደቁ ኣብ በይሩት ኪመሃሩ ዕድል ረኺቦም፣  ተወልደ ብደቁ ሕቡን ነበረ። ከምዚ ድማ ኢሉ። <እቲ ዝበለጸ ሃብተይ ደቀይ እዮም። ንኣገልግሎት ኣምላኽ ድማ ወፍየዮም እየ>፣ ናታቶም ጽቡቕ ጥራይ ይሓስብን ይደልን ነበረ፣

በሊሕ ናይ ምዝካር ክእለት ነይርዎ፣ <ኣብ ዓድና ሓሙሽተ ወለዶታት ኣቦታተይ ካህናት እዮም፣ ኣቦይ ተቐቲሉ፣ ወዱ ምዃነይ ኣይርስዖን እየ፣ ብዓይኒ ህዝቢ መምህራን ሓሶት። ከሓድቲ ወይ ዘይኣምኑ ኢና እንብሃል፣ ግናኸ ብትዕግስቲ ዕጫና ንጸውር> ይብል፣ ንሃገሩን ህዝቡን ብምሉእ ልቡ የፍቅር ነይሩ፣ ዋላ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብምቾት እናነበረ ናፍቖት ነይርዎ፣

ኣብ መወዳእታ ኣብታ መበቆል ዓዱ ሽማንጉስ ኪነብር ክኢሉ፣ ቀሊል ግን ኣይነበረን፣ እዚ ናይ ወንጌል ኣገልጋሊ ዝነበረ ሰብ መሬት ኪረክብ ብዙሕ ድፍረት ዚሓትት ጻዕሪ እዩ ነይሩ፣ ካብ ካህናትን ኣዝማዱን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ፣ ገሊኣቶም ገዛ ኺሃንጽን ኪቕመጥን ፈጺሞም ዘይፈቕድሉ እዮም ነይሮም፣ ምኽንያቱ ንሱ ንኣምላኽ ዘሎዎ ኣቀራርባ ኻብቲ ልሙድ መገዲ ዝተፈልየ እዩ ስለ ዝበልዎ፣ ነዊሕ ናይ ቤት ፍርዲ ኽትዕ ተኻየደ፣ ብዙሕ ባእሲ ኸኣ ሰዓበ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግን ተወልደ ተዓወተ። ግሩም ቤት ከኣ ሃነጸ፣ ኣብዚ ቤትዚ ኾይኑ ምትርጓም ብሉይ ኪዳን ቀጸለ፣ ንሰበኻ በለዛ ኣብ ምምራሕ ከኣ ይተሓጋገዝ ነበረ፣ ንሰበኽቲ ወንጌል ከኣ ስልጠናታት ይህብ፣ እቲ ሰፊሕ ፍልጠቱ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ነበሮ፣

ቤቱ ምቹእ ነበረ፣ ሽሻይ ዝመልኦ ስለ ዝነበረ ኣጋይሽ ኣየቋርጹን ነበሩ፣ ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ዓበይቲ ግዜ ኸሕልፉ ልሙድ እዩ፣ ጸባን ጥዑም መግብን ኵሉ ሳዕ ይርከብ ነበረ፣ እቶም ቆልዑ ኸኣ ብዙሕ መዓልታትን ሰሙናትን ኣብቲ ቤት የዕርፉን ይዘናግዑን፣ ተወልደን ብዓልቲ ቤቱን ምስ ደቆም ኪኾኑ ደስ ይብሎም ነበረ፣

ከምኡ ድማ ኣብ ገረሚ ይእከቡ፣ ኣብዚ ቦታዚ ቐሺ ዘራጽዮንን ብዓልቲ ቤቶምን ሰፊሕ። ጽቡቕ ገዛ ነበሮም፣ እቶም ሰያብ ጭሕሚ ዝነበሮም ጉልቡት ቀሺ ዘራጽዮን ኣብ ዓዶም ኣዝዮም ሕፉር ሰብ ነበሩ፣ ህዝቢ ንምዕዶኦምን ስብከቶምን ብዓቢ ኣኽብሮት ይሰምዖ። ብዙሕ ግዜ ኸኣ ምኽሪ ይሓቶም፣ ዋላ ኣብ እርጋኖም ቀሺ ዘራጽዮን ዘይደኽሙ ኣገልጋሊ ነበሩ፣ ካብ ግዜ እምኩሉ ጀሚሮም ኣብ ዕዮ ወንጌል ዝተጸምዱ ሕያዋይን ህዱእን ሰብ ነይሮም፣

ቀሺ ተወልደመድህን ብዙሓት ስሙያት ሰባት ኣዝማድ ነበርዎም፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ፈተውቲ ነይሮሞም፣ ካብ ፍሉጣት ካህናት ዝተወልዱ እዮም፣ ብሚስዮን ኣብ ዚግበሩ ናይ ወንጌል ምንቅስቓሳት ቀሺ ተወልደ ኺህልዉ ዓቢ ዕድል ነበረ፣ ብፍላይ ንሚስዮን ዚጸልኡ ራእሲ እንተሎ። ነቶም ዝተገፍዑ ወይ ዝተኣስሩ ክርስትያናት ዘማልድሎም ቀሺ ተወልደመድህን እዮም፣ ኣብ ናይቶም ራእሲ ግዝኣት ንመምህራን ዚኸውን መሬት ኪወሃብ ቀሺ ተወልደመድህን ይላዘቡ፣ ነቶም ራእሲ ዘገድስ ጉዳይ ፈሊጦም የዕልልዎም። ብሕጉስ መንፈስ ኪሰምዕዎም ምእንቲ ዘስሕቕ ዛንታታት ኪነግርዎም ተውህቦ ነበሮም፣

ድሕሪ ገለ ዘዛኒ ዝርርብ። ቀሺ ተወልደ ቐስ እናበሉ ነቲ ዘምጽኦም ጉዳይ የቕርቡ፣ በዓል ቀሺ ተወልደ መገዶም ምስ ተመልሱ። እቶም ራእሲ በቲ ዘዕለልዎ ዕላል የስተንትኑ፣ እቲ ብኸምዚ ዝተዘርአ ዘርኢ ኸመይ ከም ዚበቁል እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዚፈልጥ፣ ኣብ ዘልኣለማዊ ህይወት ኪገሃድ እዩ፣ 

ቀሺ ተወልደ ኣብ ሽማንጉስ ጠቕሊሎም ኪነብሩ ኣይከኣሉን፣ ንግዚኡ ኣብ በለዛ ናይቲ ሰበኻ ተሓጋጋዚ ቐሺ ኾይኖም ኣገልገሉ፣ ብዙሕ ግዜ ኸኣ ንዓየይቲ ወንጌል ዚኸውን ትምህርቲ ይህቡ ነበሩ፣ ንኽልተ ዓመታትውን ናይ ዓዲ ወግሪ ቐሺ ነይሮም፣ ጸጉሮም ጻዕድዩ። ድኻም ከኣ ይረኣዮም ነበረ፣ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ሽወደን ከዱ፣ ብዙሕ ምጽንናዕ ከኣ ረኸቡ፣ እቶም ሚስዮናውያን ብጾቶም ካብቲ ናይ ቀደም ንላዕሊ ዝበለጸ ኣፍቀርዎም፣ ቀሺ ተወልደ ዅሉ ሳዕ ዝተበርሆም። ሕስ። ሕጉስን ፍቱውን እዮም ዝነበሩ እሞ ዅሉ ሰብ ብእኦም ይሰሓብ ነበረ፣ ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ። <ምስ ቀሺ ተወልደ እንተ ጸናሕካ። ከየፍቀርካዮም ክትከይድ ኣይትኽእልን>፣

ብዅሎም እቶም ናይ ሚስዮን ኣዕሩኾም ክብረትን ሞጎስን ረኸቡ፣ ኣብ ኵሉ ዝኸድዎ ኣኼባ በተን ዘብርሃ ኣዒንቶም። ሕጉስ ሃዋህው ይፈጥሩ፣ እዚ ዅሉ ኾይኑ ግን ነታ ቝሸቶም እዮም ዚፈት፣ እታ ቝሸቶም ብትኪ ዒግ እትብል። ናይ ሳዕሪ ኣጓዱ ዝነበርኣ። ጎሓፍ ዝተኾመራ። እቶም ፍርቂ ነብሶም ክዳን ዘይብሎም ቆልዑ ዚጻወቱላን ንፋስ ድማ ነቲ ሓመኸùሽቲ ንሰማይ ገጹ ከም ዓንድታት ዘዕርገላን መሊሱ ኣብ ልዕሊኣ ፋሕ ዘብሎን እያ፣ ቀሺ ተወልደ ነቲ ብዙሕ ግዜ እኽሊ ዘይነበሮ ደረቕ ሓመኸùሽታይ ሓመድ ዓዶምን ነቶም ናይ ጥንቲ እምነቶም ኣኽሪሮም ዝሓዙ እሞ ቐሺ ተወልደ ዚነግርዎም መልእኽቲ መድሓኒና ዘይቅበሉ ህዝብን ዓቢ ፍቕሪ ነበሮም፣ ሓደ መዓልቲ ናይቶም ህዝቢ ተቓውሞ ኣተሓሳሳቢ ምስ ኮነ። <ክሳዕ ሓይልና ዚውዳእ ብግዚኡን ብዘይግዚኡን ክንሰብኽ ኢና> በሉ፣

ካብ ሽወደን ናብ ዓዶም እናተመልሱ ኣብ ሮማ ገለ መዓልታት ጸኒሖም፣ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ-ክርስትያንን ቫቲካንን ኪርእዩ እዮም ደልዮም፣ ንዅሉ ኽፍልታት ምስ ረኣይዎ ድማ ኣብ ሓንቲ ዕጽውቲ ማዕጾ በጽሑ፣ ናብቲ ሓላዊ ምልስ ኢሎም ድማ ነታ ኽፍሊ ኺርእይዋ ዚኽእሉ እንተ ኾይኖም ሓተትዎ፣ እቲ ሓላዊ ኺሓተሎም ምስ ከደ። ንሶም ኣብ ዙርያኦም ምዕዛብ ቀጸሉ፣ እቲ ሓላዊ ምስ ሓደ ሓበሻ ኺመጽእ እንከሎ ኸኣ ረኣይዎ፣ ብዓል ስልጣን እዩ ዚኸውን ኢሎም ብምሕሳብ ከኣ ኪሰግዱ ኣጸቢቖም ተጎምበሱ፣ እንተ ኣስተውዓሉ ግን ኣብ ቅድሚ ዓቢ መስትያት እዮም ደው ኢሎም ነይሮም። ንነብሶም ከኣ ሰጊዶሙላ፣ 

 

 

ህይወት ኣብ መወዳእታ         

ኣብ ናይ መወዳእታ ሒደት ዓመታቶም ቀሺ ተወልደመድህን ኣብ ዓዶም እዮም ተቐሚጦም፣ ኣብ ኣስመራ ኸኣ ምስ ቀሺ ሆልመር ኮይኖም ናይ ትግርኛ ብሉይ ኪዳን ይእርሙ ነበሩ፣ ኣብ ኣስመራ ንገለ መዓልታት ኪጸንሑ እንከሎ። እተን ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ኽልተ ደቆም ይቕልበኦም ነበራ፣ ናይ ሓደ ኻብ ደቅ ደቆም መርዓ ተመዲቡስ ዕንጸይቲ ስለ ዝተሳእነ። ብሕሱር ዋጋ ዕንጸይቲ ኺዕድጉ ናብ ርሑቕ ሃገረ-ሰብ ከዱ፣ ዕንጸይቲ ዓዲጎም ከኣ ብባቡር ለኣኽዎ፣ እዚ ነቶም ዘፍቅርዎም ዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ፣ ኣብዚ መገሻኦም ገùንፋዕ ሓመሙ፣ ምስ ተመልሱ ኸኣ ዓራት ሓዙ፣ ሓኪም መርመሮም። ግናኸ ብፈውሲ ኺሓውዩ ኣይተኻእለን፣

ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ጎይታኦም ከም ዚኸዱ ተረድኦም፣ ቀሺ ኤቫርሶን ዝተባህሉ ሽወደናዊ ብዙሕ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡሎምን ኪጽልዩሎምን ዕድል ረኸቡ፣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት እንተ ቐረበት እኳ ቐሺ ተወልደ ግን ህይወቶም ብርኡይ ይልምልም ነበረ፣ በቲ ንሓጥያትን ንበደልን ዝተዋህበ ናይ የሱስ ናይ ምድሓን ሞት ይጸናንዑ ነበሩ፣ ሓንቲ ዓርቢ ምሸት ኣዝዮም ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ። ቀልቦም ግን ኣየጥፍኡን፣ በታ ዝሰዓበት መዓልቲ ብህድኣት ዓረፉ፣

ስነ-ስርዓት ቀብሮም ኣብቲ ናይ ኣስመራ ቤተ-ክርስትያን ተኻየደ። ኣብቲ ናይ ወንጌላውያን ምእመናን መካነ-መቓብር ከኣ ተቐብሩ፣ ቀሺ ተወልደመድህን ብ1930 እዮም ዓሪፎም፣ በቲ ንሓጥኣን ብጸጋኡ ጥራይ ዘድሕን መድሓኒኦም ኣሚኖም መይቶም፣ ክሳዕ መቓብሮም ዘሰነይዎም ኣባላት ቤተ-ክርስትያኖምን ካልኦትን ተረኽቡ፣

ቀሺ ተወልደመድህን ኣብ ምጅማር ዕዮኦም ከምዚ ኢሎም ጽሒፎም ነይሮም። <ብዘይ ፍርህን ውልውልን ኣብ ትሕቲ ዕላማ የሱስ ንቑም፣ ጎይታና እግዚኣብሄር ቀቅድሜና ይኸይድ። ምሳና እዩ። ይዋግኣልና ኸኣ፣ እቲ ዓወት ናትና እዩ>፣ ኣብ መወዳእታ ነዚ ምድራዊ ግዜኦምን ዕዮኦምን ንዕላማ የሱስ ብዓወት ዛዚሞም ተፋንዮም፣

ሓቅዩ ቐሺ ተወልደመድህን ጌጋ ዘይሰኣኖም ሰብ ኣይነበሩን፣ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ርኡይ ጌጋታት ገይሮም ይፈልጡ እዮም፣ ግናኸ ዅሉ ሰብ ብዓቢ ኣኽብሮት ጠመቶምን ብዙሕ እምነት ኣንበረሎምን፣ ብወጻእተኛታትን ደቂ ሃገርን ዝተፈትን ዝተናፈቑን ነበሩ፣

ድሕሪ ሞት ቀሺ ተወልደመድህን። ወይዘሮ ኤልሲ ቪንኩቪስት ከምዚ ዚስዕብ ጽሒፈን። <ናይ ቀሺ ተወልደመድህን ዓቢ ኣበርክቶ ኣብ ኣገልግሎት ስነ-ጽሑፍ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ተልእኾ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ፣ መጀመርያ ናብ ቋንቋ ትግረ። ዳሕራይ ከኣ ናብ ቋንቋ ትግርኛ፣ ብዘይካ እዞም ናይ ሓበሻ ቛንቋታት። ቀሺ ተወልደመድህን ቋንቋታት ኣምሓርኛን እቲ ናይ ስነ-መለኮት ቋንቋ ዝኾነ ግእዝን ኣጽርዮም ይዛረቡ፣ ኣብ ሽወደን ነቶም ጥንታውያን ቋንቋታት ኣዕሚቖም ፈለጥዎም፣ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ኸኣ ናይ ቋንቋታት እብራይስጥን ዓረብን ፍልጠቶም ወሰኹ፣ ኣብ ዘረባን ጽሑፍን ብቐሊሉ ቛንቋታት ሽወደንን ጣልያንኛን ይጥቀሙ ነበሩ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብርሂ መጻሕፍቲ (ኮመንተሪታት) ብቛንቋታት ጀርመንን እንግሊዝን ከጽንዑውን ርእየዮም ኣሎኾ፣

<ፍልጠቶም ዘየመዛዝን ሊቅነት ኣይነበረን። እቲ ትኩር ኣእምሮኦም ሓሳባት ዘደየብን ዘውርድን። ዘተኣሳስርን ዘቕውምን እዩ ነይሩ፣ ክብድ ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ እንተ ኣጋጠሞም። እቲ ልክዕ ትርጉም ክሳዕ ዚረኽብዎ ኣይሕለሉን፣ ረቀቕቲ ዝኾኑ ተዛመድቲ ትርጉማትውን ፈልዮም ናይ ምፍላጥ ስምዒቶም ቅልጡፍ ነበረ፣ ናይ ጥቕሲ ብቑዕ ትርጉም ንኺረኽቡ ብርቱዕ ሓላፍነት ይስምዖም፣ ነቲ ዝተኸወለ ትርጉም ዚገልጽ መብርሂ ንምርካብ ኣቋራጭ ምጥቃም ኣይደልዩን፣ ተራ  መፍትሒ ምንዳይ ከም ዘይግባእ ከጠንቅቑ ሓንቲ ናይ ጣልያንኛ ምስላ ይጠቕሱ ነበሩ። <ትራዱቶረ። ትራዲቶረ> (ተርጓሚ ጠላሚ)፣ ቀሺ ተወልደመድህን ዝነበሮም ብዙሕ ዝዓይነቱ ውህበታት ኣብ ኵሉ ናይ ስነ-ጽሑፍ ዕዮ ተደላዪ መተዓይይቲ ገበሮም፣ ምስ ብዙሕ ሞሳ። ኣብቲ ንኽልተ ናይ ደቀ-ባት ልሳናት ናብ ጽሑፋዊ ቛንቋታት ንምቕያርን ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሓፋሽ ንምዝርጋሕ መገዲ ንምኽፋትን ዝተገብረ ጻዕሪ ኻብቶም ኣብ ቅድሚት ዚስርዑ ጀመርቲ እዮም፣>  

 

ተ ፈ ጸ መ